the ONION: ይገርመና’ሎ 2.0

ኩሉ ኤርትራዊ ብዛዕባ እታ ‘ኤርትራዊ’ ዘበለቶ ኤርትራ ክግረም ካብ ዝጅምር ሓያለ ገይሩ’ዩ:: እቲ ደራፊ: “ይገርመና’ሎ! ይገርመና’ሎ!” ኢሉ ክለሀይ ከሎ: ካብ ልቡ ከም ዝተገረመ ዘጠራጥር አይኮነን:: እቶም ናብቲ ዳንኬራ አናሃለሉ ዝሕወሱ ዝነበሩ ተዓዘብትን ሳዕሳዕትን ውን ናይልቦም ዝተገረሙ ግለሰባት ‘ዮም ዝነበሩ:: ገለን በቲ መዳርግቲ ዘይብሉ ውሕሉል ምሕደራ ሃገር ተደኒቑ ክግረም ከሎ: ገለ ከኣ በቲ “መዳርግቲ ዘይብሉ ምሕደራ:” ተደኒቑ ይግረም:: ምግራም ግና ደረጃታት ኣለዎ: አብዚ እዩ ድማ ቋንቋ ድኽመቱ ዝረኣየካ: ማለት ልዕሊ ‘አዚኻ-ምግራም’ ዘሎ ናይ ምግራም ስምዒት ምስ ዝህልወካ ብቋንቋ ክትገልጾ አይትኽእልን:: ንኻልእ ሰብ ክትገልጸሉ ዘይምኽኣልካ ጥራይ አይኮነን እቲ ሽግር: ን ነብስኻ ውን ክትገልጸላ ዘይምኽኣልካ ኢዩ:: እንታይ ይስመዓካ ከምዘሎሲ ንርእስኻ ብኸመይ ተፍልጣ?

አብ ኤርትራ ዘደንቕ ነገር ምስማዕን ምርኣይን ልሙድ’ዩ:: እዚ እዩ ድማ ንኤርትራውነት ፍሉይ ዝገብሮ:: ብመሰረት ማዕከን ዜና ኤርትራ: ፍሉይነት ናይ ‘ኤርትራዊ’ አዝዩ ካብ ምድግጋሙ ዝተላዕለ: “ኤርትራዊ ፍሉይ’ዩ:” ትብል ሓሳብ ኣብ ሕብረተሰብና ካብ ተራ ቃል ናብ ምስላ ገጻ ክትሰጋገር ቀሪባ’ላ:: ሓደ ካብቲ ሓደሽቲ: ዘደንቕ ተርእዮ አብ ኤርትራ እዚ አብ ቀረባ ግዜ መንግስትና ዝገበሮ ተባዕን ዝምስገንን: ብረት ንህዝቢ ብኣልማማ ናይ ምዕዳል ስጉምቲ እዩ:: ብርግጽ እዚ ተግባር እዚ ነታ “ይገርመና’ሎ” እትብል ናብ ዝለዓለ ደረጃ: ማለት version 2.0 ክብ ኣቢልዋ እንተበልና ምግናን አይኮነን::

አነ ኣብዚ ዘለኽዎ ሃገረ ኣሜሪካ ኮይነ: እዚ አብ ኤሪትራ ዝግበር ዘሎ ናይ ብረት ምዕዳል ዜና ምስ ሰማዕኩ: አዝየ እየ ተሓጔሰ:: መንግስትና ካብ ዘይብሉ ቁጠባ ንኹሉ ዜጋ ሓሓንቲ ብረት ከዕጥቕ ምሕሳቡ አዝዩ ዝድነቕ’ዩ:: አብዚ ከየመስገንናዮም ክንሓልፍ ዘይግበኣና እቶም ከይበቐቑ ብገንዘብን ብሞራልን ንመንግስቲ ዘበራትዑ: አብ ዓዲ ስደት ዝርከቡ ዜጋታት አለዉ::

ከም ወትሩ: እቲ ኣተዓዳድላ ብረት ብውሕሉልነትን ብ ጽፈትንእዩ ተኻይዱ:: ዝኾነ ይኹን ሌላን ጉሌላን ብ ሃይማኖት: ዓሌት: ቀቢላ ወይ ውን ጾታ አይነበረን:: ኣዚ ፍትሓውነት ከኣ ካብ ሜዳ ጀሚሩ ዝተወርሰ ባህሊ እዩ:: ምናልባሽ ብረት ዘይተዓደሉ ዜጋታት አንተለዉ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ወይውን ዝሸምገሉ ዓበይትን ጥራይ እዮም::

ገለገሌና: ብገርሂ ልብና: ገሌና ኸኣ ብ ወረ ጸላእቲ ተጸሊና: “ምዕዳል ብረት ንምንታይ አድለየ?” ንብል ንኸውን:: መንግስቲ ነዚ አይሓሰበሉን ኢልኩም ትሓስቡ? መንግስትና ብቑዕ ምኽንያት ተዘይህልዎ ነዚ አይምገበሮን:: ስለዚ ንምንታይ ኢልካ ምሕታት አድላይነቱ አይረአይንን:: ደሓር ከአ ድሮ አቲ ህዝቢ ተሓጉሱ: ሓንጎፋይ ኢሉ እናተቐበሎሲ: እንታይ ምፍልሳፍ አድለየ? ግናኸ ንኣብነት ዝኣክል: ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ከም ዝበሃል: ሓደ ሰለስተ መርትዖታት ናይዚ ብህዝቢ ዝተበጋገሰን: ብመንግስቲ ንነዊሕ ተሓሲቡሉን ዝጸደቐን ፓሊሲ ክንርኢ:-

(ሀ) ኣልማማዊ ምዕዳል ብረት መርኣያ ምዕቡል ሕብረተሰብና ኢዩ:: ሃገራት ዓለም: ህዝበን ንምቁጽጻር ፓሊስን ጸረ-ሽበራ-ፓሊስን (riot-police) የዋፍራ:: አብ ሃገርና በንጻሩ እቲ ህዝቢ አዝዩ ስለ ዝተኣምነ ነነፍስ ወከፉ ዜጋ: ከም ሽልማት: ሓሓንቲ ካላሽንኮቭ ጠመንጃ ምስ አረርባዕተ ካዝና ዝከውን ጠያይትን ተዓዲሉ:: እዚ ደረጃ ብስለት ህዝብናን መንግስትናን የርኢ::

(ለ) ኣልማማዊ ምዕጣቕ ህዝቢ መርኣያ ዴሞክራሲ ኢዩ:: ብረት ምሓዝ አብ ከም ኣሜሪካ ዝዓይነተን ‘ማዕቢልና ኢና’ ዝብላ ሃገራት ውን ፍቑድ ኢዩ (ብርግጽ ከም በዓል ካላሽንኮቭ ወይ M-16 ዝዓይነቱ ብኣድራጋ ክትኩስ ዝኽእል ናይ ውግእ ጠመንጃ: አሞ ኸኣ ምስኡ 120 ጠያይቲ: ክትውንን አይፍቀድን ክኸዉን ዝከኣል’ዩ:: አዚ ግን አገዳሲ አይኮነን):: መንግስትና ድኻ ሰኣን ገንዘብ ከይዓጠቐ ምእንቲ ከይተርፍ: ብነጻ ንኹሉ ሰብ መዊሉ ብማዕርነት ዓዲሉ::

(ሐ) ንህዝቢ ብረት ምዕዳል መንግስቲ አብ ህዝቢ ዘለዎ ምትእምማን የርኢ:: አብ መንጎ መንግስትን ህዝብን ዘሎ ምትእምማን: ምስ ናይ ዘመንና አብ መንጎ ክልተ ሰብሓዳር ዘሎ ደረጃ ምትእምማን ይዳረግ:: አስኪ ነስተውዕል: ክንደይ አሰብኡት አሚኖም ነንስትቶም ብረት መዕጠቕወን?

(መ) ብረት ምዕጣቕ ንርእስኻን ንቤትካን ናይ ምክልኻል ነጻነት የውሕስ:: ሳላ መንግስትና: ስድራቤት ኤርትራ ሎሚ ካብ ሰራቒ ነብሳ ክትከላኸል ትኽእል ጥራይ ዘይኮነስ: አድላይ ተኾይኑ: ውሁድ መጥቃዕቲ ክትፍጽምን ንሰዓታት ብተኹሲ ክትረባረብን እኹል ናይ አጽዋር ቀረብ አለዋ::

እምበኣርከስ ረብሓ ዘይብሉ ሕሜትን ምምርማርን ገዲፍና: ነዚ መንግስትና ዝገብሮ ዘሎ ወፍሪ ምዕጣቕ ህዝቢ መታን ሸቶኡ ክወቅዕ: አእጃምና ነበርክት:: ሃየ አለናኪ ንበላ ንሃገር!!

(Disclaimer: dear Press-TV, I know you are found of using the ONION News in your journalistic research. However I claim no affiliation to the ONION Inc.)

 

19 thoughts on “the ONION: ይገርመና’ሎ 2.0

  1. ዋላኻ ከምቲ ዝተባህለ እቲ ምዕዳል ብረት ንመንግስትና ከነድንቆን ክንመጉሶን ዝግባእ እንተኮነ: ምስቲ ዘሎ ክብሪ ናይ ሃልክቲ ግን መንግስትና ክሳብ ሕጂ ኣብ ግምት ዘየእተዎ: እቲ ሰፈር መተባብዕ ብረት ተባህሉ ዝፍለጥ ጁባ ናይታ ካላሽን ኮቭ ብዘይ ናዉቲ ስለ ዝዓደሎም ዳግመ ግምት ክገብረሉ ይግብኣ: ሓደ ካብቲ ናዉቲ ካኣ ” ዘይቲ ናይ ብረት” እዩ:: ህዝቢ ካብተን ካብ ድኻን ሕድሪ ዝረክበን ቁሩብ ቁራቦ ዘይቲ ብልዕ ጌሩ: ነታ ዝተወህበቶ ብረት ክንክን ከይ ገብረላ: እቲ ካብ ድኻን ሕድር ዝርከብ ዝነበረ ዘይቲ ብልዕ: መንግስትና ምስት ተዳራራቢ ወጻእታት ብዶላር ገዝኡ ዘይቲ ብልዕ ከይገዝእ ንግዝኡ ዓቅሚ ስለ ዝሓጸሮ ሰብ ብረት ኣብ ጸገም ይርከቡ:: እቲ ዝቀለለ እካ ካብ ባዓል ቸችንያ ”ዘይቲ ናይ ብረት” ምግዛኣ ይቀልል እንተነበር: ኮይኑ ግን እዞም ሓሳዳት ኣሜርካ ከለዉ ብሰንኪ እገዳ ክርከብ ኣይካኣለን:: ካብቲ ዘገርም እቲ እገዳ ናይ ብረት ከሎ: ዘይቲ ናይ ብረት ምስቲ እገዳ ምጽብጻቦም ዘገርም እዩ: እዚ ቶንኮል እዚ ካኣ በጀካ እዞም ከደምቲ ወያነ ካልእ ዘማክሮም የለን :: ንህግደፍዉን ይገርሞም ኣሎ :: ኩሉ ይግረም:: ከማና ግን ዝተገረመ የለን:: በዛ ጽሕፍቲዉን ኣነ ተገርመ: ጹቡቅ ቅድ ደስ ዘብል ኣታክላ ብርዒ::

    Like

    • ይቐንየለይ አኖንኒሞስ… ኦ ኣገዳሲ አርእስቲ አልዕልካ… ጉዳይ ዘይቲ:: ምናልባሽ ነዚ ከም ፍታሕ ዝኸውንሲ: ኣብቲ ናይ ክዃን ሕድሪ ወረቐት ካልሽንካ ምምዝጋብ:: ማለት ከም አባል ስድራቤት መጠን መሻርፍ ይስለዓላ:: ዝኾነ ኾይኑ ነዚውን መንግስቲ ሓሲቡሉ ዩ: ብርግጽ::

      Like

  2. You finally cracked it. You have made a sense out of it all. I am sure you will be given the ultimate “Nishan” just like Romedan Mohammed Nur, for saying what you wanted with out any bad mouth.

    Like

  3. What an amazing article ..u made my day Sami nebsi ..this is a High time for Eritrea as the worsened situation have escalated to its highest height with the current extensive arming of the people by the ( no description ) regime ..Sessenayu

    Like

Leave a comment