ዝተመላኽዐ ዛንታ ገድሊ (ብ ዮሴፍ ገብሪሂወት)

__________________________
እዛ ጽሕፍቲ ትርጉም ናይታ “Romanticizing Ghedli (I)” ዘርእስታ ብዮሴፍ ገብሪሂወት ተጻሒፋ፡ ብ 12 መጋቢት 2008 ኣብ መርባእብ ሓበሬታ ኣስማሪኖ ዳት ኮም ዝተዘርግሐት ጽሕፍቲ እያ። ናብ ቛንቛ ትግርኛ ብ ኣዳለውቲ ጋዜጣ መሰለይ ተተርጒማ፡ “ምቅንጃው ገድሊ” ብዝብል ኣርእስቲ ከኣ ኣብ 2008 ተዘርጊሓ ኔራ። ንምርዳእ ይሕግዝ ብዝብል ገለገለ ናይኣተረጋጉማ ምትዕርራያት ገይረ ኣቅሪበያ ኣለኹ። 
_________________________________________

“ገድሊ”

ሓደ ካብቲ ቀንዲ ንህዝብና ኣጋጢምዎ ዘሎ ጸገማት፡ ተቐናጅዩ [ካብ መጠን ንላዕሊ ተመላኺዑ] ዝቐርብ ዛንታ ገድሊ ኤርትራ እዩ፥ መብዝሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ተጋኒኑን ተመላኺዑን ዝቐረበ ዛንታ ክርሕርሖ ፍቓደኛ ኣይኮነን። ምቕንጃው [ብሓሶት ዝተመላኽዐ ታሪኽ] ንሃገር ክቀትል ይኽእል’ዩ እንተ ኢልና፡ ከምዚ ናይ ኤርትራ እዩ። እዚ ሎሚ አብ ጉዳይ ሃገርና ንዕዘቦ ዘሎና ሓንቲ ሃገር ንሓደ ስነ-ሓሳብ ከተጥፍኦ እንከላ ኣይኮነን (ከምዚ እንተዝኸውን ምሓሸ ኔሩ)፥ እንታይ ደኣ ሓደ ስነ-ሓሳብ ንሓንቲ ሃገር ከጥፍኣ እንከሎ እዩ።

ገድሊን እቲ ምስኡ ተተሓሒዙ ዝኸይድ ናውትን ሓዊስካ፡ ነቲ ንነዊሕ እዋን ኣብ እንግድዑ ጾይርዎ ዝጸንሐ ህዝቢ ከቢዱዎስ፡ ኣብ ክጻወሮ ዘይክእል ደረጃ በጺሑ ይርከብ። እዚ ባዕልና ዝፈጠርናዮ ኣውሬ፡ ሃርጋፍ ሸውሃት ስለዘጥረየ፡ ሸውሃቱ ንምርዋይን ቀጻልነቱ ንምርግጋጽን ነባሪ ዝኾነ ናይ “መስዋእቲ” ባህሊ ክፍጠር ኣድልይዎ። ንሓደ ንጹር ዘይኮነ፡ ደብዛዝን ኣካራኻሪን ሕልሚ ንምውሓስ፡ በዚ ጸይቀ-ግኑን ኣውሬ ሓደ ወለዶ ድሕሪ እቲ ሓደ ክብልዑን ክሃልቑን ኣለዎም። ሎሚ ኣብዚ ናይ መወዳእታ ዕምሩ ድማ፡ ንመላእ ሃገር ንኸጽንት ኣብ ምውጥዋጥ ይርከብ። ሻዕብያ ክመውት እንተኾይኑ፡ ሃገር ድማ ምስኡ ከም እትመውት ኣቀዲሙ ወሲኑ’ዩ። ዛጊት ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ክንዲ ነቲ ናይ ሃገር ሱር ሕማሞም ኮይኑ ዘሎ “ገድሊ” ምምራር፣ ገድሊ ድኣ ኣይኹን እምበር ንዝኾነ ካልእ ነገር ክውንጅሉን ሓላፍነት ከሰክሙን ይመርጹ።

እቲ ኣዝዩ ዝገርመኒ ነገር፡ ኣብ ዝኾነ ይኹን ጉዳይ ሃገር ቅንጣብ እኳ ክሰማምዑ ዘይክእሉ ወገናት ከይተረፈ፡ ሓደ ዘሰማምዖም ነገር እንተሎ፡ እቲ ተመላኺዑ ዘሎ ዛንታ ገድሊ እዩ። ዝተመላኽዐ ዛንታ ገድሊ ማለት፡ ንገድሊ ጸጽቡቑ ካብ መጠን ንላዕሊ ምግናን፥ ነቲ ገግናዩ ከኣ ምንእኣስን ከምዘይነበረ ምኽሓድን እዩ።

ንኣብነት ደገፍቲ ጀብሃ፡ ብዛዕባ “ጀብሃ ዓባይ”፡ “ኣደ ገድሊ” ወዘተ. ኢሎም ብተመስጦ ከዘንትው ከለው፡ ነቲ ኣብ መወዳእታ ንጀብሃ ውድቀት ንኽትከናነብ ዝገበራ ውልቀ-ምልካዊ፡ ፈላላዩን ፋሉላዊ ዝኾነ ብልሽውን ዘይጽፉፍን ኣወዳድባኣ ከልዕልዎ ኣይመርጹን እዮም (ብፍጹም እንተ ዘይክሒዶሞ ማለት’ዩ)። ደገፍቲ ሻዕብያ ብወገኖም፥ ካብዚ ናይ ደገፍቲ ጀብሃ ብዘይንእስ፥ ነቲ ናይ ሻዕብያ ጅግንነት ኣጋኒኖም ከቅርቡ ዝስልክዮም ኣይኮኑን። ነቲ ውልቀ-ምልካዊ፡ ገለልተኛ፡ ብተንኮልን ዘይምትእምማንን ዝተዓብለለ ኣረሜናዊ ባህርያት ሻዕብያ ግን ጎስዮሞ ክሓልፉ ይመርጹ።

ሻዕብያ ክመውት እንተኾይኑ፡ ሃገር ድማ ምስኡ ከም እትመውት ኣቀዲሙ ወሲኑ’ዩ።

ግና’ኸ ሰውራ ተቐናጅዩ ክቕጽል እንተኾይኑስ፡ ንብዙሕ ሓቀኛ ፍጻሜታት ምኽሓድ ከድሊ’ዩ። ኣብነት ንምጥቃስ፦ ብገድሊ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ንዝተፈጸሙ ግፍዕታት ምርሳዕ ወይ ከምዘይነበሩ ምኽሓድ፣ ነቶም ዘተሓታትት ታሪኽ ዘለዎም “ተጋደልቲ” ከም ታእምራት ዝሰርሑ ጀጋኑ ጌርካ ምቕራብ፣ ታሪኽ ጠምዚዝካ ናብ ከርብሓካ ዘኽለሉ ዕላማ ምቕያር፣ ኣብ ህዝቢ ሰላምን ውህደትን ከምዘሎ ዘምስሉ ጽውጽዋያት ምፍጣር፣ ብቀሊሉ ክልለ ዝኽእልን ዝሰመረን ሃገራዊ መንነት ኣሎ ኢልካ ምዝራብ፣ ድኽመትካ ንምሽፋን መወዳእታ ዘይብሎም ምስምሳት ሒዝካ ምቕራብ፣ ንኽትፍውሶ ዘይክኣልካ ናይ ገዛእ-ርእስኻ ስንፍና ንምኽዋል ሓደ ድሕሪ ሓደ ጸላኢ ምፍጣር፣ ወዘተረፈ።

ብተመሳሳሊ፡ ነዚ ኣብ ኤርትራ ኣጋጢሙ ዘሎ ጸገም፡ ህዝቢ’ውን ተሓታቲ ሙኳኑ ደፊሩ ዝዛረብ የልቦን። እቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ ሰውራዊት ኤርትራ ቃንኡ ዘይሃሰሰ ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ፡ “ህዝቢ ክጋገይ ኣይክእልን እዩ” ዝብል ኣተሓሳስባ ኣለዎ። እዚ ማርክሳዊ ኣተሓሳስባ ካብ ኣእምሮ ዜጋታት ገና ኣይተሓኸኸን ዘሎ። ሻዕብያ’ውን እንተኾኑ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ መዳርግቲ ዘይብሉ ንዕቀት ዘለዎም ክነሶም፡ ብኣፎም ግና ንተራ ህዝቢ ኣብ ሰውራ ኣታዓባብዮም ከቃልሕዎ እዮም ዝስምዑ። ንህዝቢ ኤርትራ ክገልጽዎም እንከለዉ፦ “ጽንዓቶም”፣ “ተወፋይነቶም”፣ “ተጻዋርነቶም”፣ “ሃገራውነቶም”፣ ወዘተረፈ ይብሉ። ብተመሳሳሊ፡ እዞም ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘለዉ ሓንቲ ዝደጋግምዋ ሓረግ እንተላ፦ “ህዝብና’ዶ እዚ ምረኸበ” ትብል እያ።

ኣብ ክልቲኦም ኣጋጣምታት እምበኣር፡ እቲ ህዝቢ ንሰውራ ከቢድ ዋጋ እንዳኸፈለ ንነዊሕ እዋናት ምሕብሓቡ፣ ክልቲኦም ወገናት ብዛዕባ ህዝቢ ማራኺ ኾይኑ ዝረኸብዎ ረቛሒ እዩ። ግና’ኸ እዚ ንገድሊ ኣብዚ ደረጃ ንኽበጽሕ ዝገበረ ምእዙዝነት ህዝቢ፡ ሕጂ’ውን እንተኾነ ንስርዓት ኢሳይያስ ከምዘለዎ ንኽቕጽል ዝገብር ዘሎ ባእታ ምዃኑ ዋላ ሓደ’ኳ ዘስተውዕለሉ ዘሎ ኣይመስልን። ህዝብና ንመንን ንምንታይን ኣገልግሎቱ የወፊ ከምዘሎ ንገዛእ-ርእሱ ዝሓትት ኣይኮነን፥ ዘስተውዕለሉ’ውን ኣይመስልን። ብርግጽ፡ ህዝቢ ንመን የገልግል ከምዘሎ ዘየስተውዕል እንተኾይኑ፡  ጸገም ኣብቲ ህዝቢ ከምዘሎ እዩ ዘረድእ።

እዚ ንገድሊ ኣብዚ ደረጃ ንኽበጽሕ ዝገበረ ምእዙዝነት ህዝቢ፡ ሕጂ’ውን እንተኾነ ንስርዓት ኢሳይያስ ከምዘለዎ ንኽቕጽል ዝገብር ዘሎ ባእታ ምዃኑ ዋላ ሓደ’ኳ ዘስተውዕለሉ ዘሎ ኣይመስልን።

እቶም ንህዝቢ ኣለዎ ዝብሉና ዘለዉ “ጸጋታት” (ከምኒ ጽንዓት፣ ተወፋይነት) ክጥቀሱ እንተ ኣድልዩ ኩሉግዜ ምስሊ ገድሊ ተቐናጅዩ ምእንቲ ክቐልርብ እዩ። እዞም ክልተ ጽውጽዋያት፡ ማለት “ጸጋታት” ህዝብን ዝተቐናጀወ ምስሊ ገድልን ንሓድ ሕዶም ሓሶት ይምግቡን ይደጋገፉን።

ምትሕብባር ዓማጽን ተዓማጽን

መሰረታዊ ጠንቂ ናይቶም ኣብዚ እዋን ንኤርትራ ከርዲኖም ሕዞምዋ ዘለው ሕማማት ንኽልተ ረቛሒታት የጠቃልል፦ (ሀ) እቲ ሓደ፡ ኣብ ሜዳ ዝበቖለን፡ ኣብኡ’ውን ብግቡእ ዝተራቀቀ ናይ ዓመጽ ባህሊ ገድሊ እዩ። እዚ ባህሊ’ዚ ከም ሕማም መንሽሮ ንመላእ ሕብረተሰብና ለቢዱ ይርከብ። እቲ ናይ ዓመጽ ባህርያቱ ድማ ኣብ ልዕሊ መላእ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ብዘይምሕረትን ብዘይኣፋላላይን ክፍጸም ንዕዘብ። (ለ) እቲ ካልኣይ ረቛሒ ኸኣ፡ ነዚ ዓመጽ ዝመለለይኡ ባህሊ ገድሊ ምቹእ ባይታ ብምፍጣር ኣብ መላእ ኤርትራ ንኽቕጽል ዘኽኣለ ምእዙዝ ናይ ምዃን ባህሊ ህዝቢ እዩ።

ናይዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሱ ክልተ ባህልታት፡ ማለት ዓመጺ ባህሊ ገድልን ምእዙዝ ናይ ምዃን ባህሊ ህዝብን፡ ንነዊሕ እዋን ንሓድ ሕዶም ከም መላድቦ ኮይኖም ዝዓይዎ ሓባራውን ተመላላእን ስርሓት፡ ምስሊ ገድሊ ከም ጥንታዊ ቅርሲ ንኽውሰድ ኣኸቲሉን የኸትል ኣሎን። ነቲ ቀዳማይ፡ ማለት ንዓማጺ ባህሊ ገድሊ፡ እዚ ዝዓይነቱ ኣፈ-ታሪኻዊ ጽውጽዋይ ምዕቃብ ናይ ህላወ ሕቶ እዩ። ነቲ ኻልኣይ ድማ፡ ማለት ንምእዙዝ ናይ ምዃን ባህሊ ህዝቢ፡ ገድሊ ናብ ሓውሲ-ሃይማኖት ዝማዕበለ፡ ካብ ኣምር ኤርትራውነት ፈላሊኻ ክትርአዮ ዘየኽእል ኣተሓሳስባ እዩ።

ግና’ኸ እዚ ምስሊ’ዚ ከምዘለዎን ነጺሩን ክጸንሕ እንተኾይኑ፡ እልቢ ዘይብሎም ነፍሰ-ኣታለልቲ ሕልምታት ምሕላም ይጠልብ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ስእሊ ገድሊ ኢንታ ዘይነበሮ ጌርካ ንምቕራብ፡ ምስ ሽሑራዊ ስረሓት ዝዳረግ፣ ኣብ ክውንነት ዘየሎን ኣብ ሕልሚ ዝተመርኮሰን ሓሳባት ምትምያን የድሊ። ብተወሳኺ፡ ነቶም ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ዝተፈጸሙ በደላት ብወለንታ ንኽትርስዖም ይጠልብ። ከምኡ’ውን ኣብ ዓይንኻ ንዝጸሙ ዘለው በደላት ንኽትክሕዶም ይሓትት። ከም ኣብ ኩሎም ተቐናጅዮም ዝቀርቡ ስረሓት፡ እቶም ኣወንታዊ ጎድንታት ተዓባብዮም ይቐርቡ፤ እቶም ኣሉታዊ ጎድንታት ድማ ተወንዚፎም ይተርፉ፤ እዚ ኸኣ ኣንጻር ርብሓ ህዝቢ እዩ።

እቲ ዘደንጹ፡ ጥዕና መላእ ሃገር ኣብ ምዕቃብ እዚ ውርሻን ምስሊ ገድሊን ዝሙርከስ እዩ ዝመስል። ከመይ፡ ንዝተቐናጀወ ምስሊ ገድሊ ክርሕርሕዎ እንተፈቲኖም፡ ጥርሖም ዝተርፉ ኮይኑ ስለዝስምዖም እዩ። ካብዚ ብምብጋስ እዩ እምበኣር ንኣሰቓቒ ሕሉፍ ታሪኽ ናይ ምዝካር ክእለት ህዝቢ ክዳኸም ንዕዘብ። መወዳእታ ዘይብሎም ምስምሳት ናይ ምግባር፣ ብቀጻሊ ጓል-መገዲ ናይ ምፍጣርን ናይ “ጸላኢ” ተራ ክጻወት ዝኽእል ኣካል ናይ ምጭጫሕን ባህሊ ገኒኑ ንረኽቦ’ውን ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ሓሳባት ዝብገስ እዩ።

ንምስልን ታሪኽን ገድሊ ህያው ንምግባር ኣብ መንጎ ዓማጽን ተዓማጽን ዝግበር ሓባራውን ተመላላእን ስርሓት፡ ነታ ሃገር ኣብ ዓዘቕቲ ዘፊቅዋ ዘሎ ቀንዲ ጠንቂ ካብ ምልላይ ድሕር ምባል፡ እቲ ናይ ፈለማ ስጉምቲ እዩ። ሓደ ኣካል ወይ ውልቀሰብ፡ ዝተኸፈለ ዋጋ ይከፈል ብዘየገድስ፡ ንምስሊ ገድሊ ክዕቅብ እንተወሲኑ፡ ጠንቂ ናይዚ ኣብ ኤርትራ ዘጋጥም ዘሎ ሽግር፡ ንገድሊ ዘይኮነስ ንኻልኦት ኣካላት ምልጋብ እቲ ናይ መጀመርታ ዝወስዶ ስጉምቲ እዩ።

እቲ ገበነኛ ወይ እቲ ዝጥቀን ኣካል፡ ኣብቲ ነቲ ክሲ ዘቅርብ ዘሎ ወገን ዝውሰን ኮይኑ፡ እቲ ዓቢ ኤርትራዊ ወለዶ ክኸውን ይኽእል፥ ወይ’ውን ኢሰያስን ውሑዳት ስዓብቱን፣ ናይ ዓጋመ ዘርኢ ዘለዎም ደቂ ሰባት፣ ህግደፋዊያን፣ ወያነ፣ መንግስቲ ኣሜርካ፣ ውዱብ ሕቡራት ሃገራትን… ወዘተረፈን። ኣብ መንጎ እዞም ዝተፈለለዩ ኣካላት ሓደ ብሓባር ዝጠምሮም ሓሳባት ኣሎ። ንሱ ኸኣ፡ ነፍስ-ወከፎም ንገድሊ እንታይ ዓይነት ትርጉም ይህብዎ ብዘየገድስ፡ ነዚ ዘሎ ኣሰቃቂ ኩነታት ብዝምልከት ንገድሊ ዘላግቡሉ ኣይኮነን። ንገድሊ ዘላግብሉ እንተኾይኖም ኸኣ ብኣዝዩ ትሑት ዓቀን እዩ።

ኣብዚ መስርሕ’ዚ ንሕሉፍ ታሪኽ ፈትኻ ብምርሳዕ ዝተሓባበር ሓፋሽ ኣሎ። ግና’ኸ፡ ንገድሊ እንዳ ኣቐናጆኻን እንዳ ኮሓሓልካን ነቲ ዝሓለፈ ግፍዕታት ኮነ ኢልካ ምርሳዕ ወይ ከምዝርሳዕ ኣብ ምርግጋጽ ዝግበር ጻዕሪ ቀሊል ነገር ኣይኮነን። ከመይ፡ እዚ ጥልቅ ዝበለ መጽናዕቲ ምግበር ዘድልዮ ስለዘይኮነ። ንክልቲኤን ውድባት፡ ማለት ንጀብሃን ሻዕብያን፡ ኣስከሬናተን ገሊህካ፡ ነቶም ኣብኦም ተደብዮም ዘለው ሓቅታት፡ ህዝቢ ንኽርእዩ ናብ ቅርዓት ምውጽኡ ጥራይ እዩ ዘድሊ።

ብተወሳኺ፡ እቶም ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘለዉ ዓቐብቲ ውርሻ ጀብሃን ሻዕብያን’ውን እንተኾኑ፡ ኣብ ሕሉፍ ታሪኽ ንዝተፈጸሙ ኣሰቀቅቲ ገበናት ኣብ ምድምሳስን፥ ነቶም ኣካራኻሪ ታሪኽ ዘለዎምን ወንጀለኛታትን ጀጋንኦም ኣብ ምኩሑሓልን፥ ምስ ህግደፋውያን ብማዕረ ዘመሳስሎም ተራ ክጻወቱ ንዕዘብ። ግና’ኸ፡ ከምቲ ብሂላት ዝጠቅስዎ ብጽፉፍ ዘይተነግረ ታሪክ ነብሱ ካብ ምድጋም ዓዲ ኣይውዕልን እዩ ይብል። እዚ ብሂል ሓቂ እንተኾይኑ፡ እዞም ኣብ ደምበ ተቓውሞ ወገናት’ውን፡ ንነኣሽቱ ረብሓታቶም ክብሉ ንሕሉፍ ታሪኽ ብምድምሳሶምን ምቅያሮምን፡ ምስቶም ኣብዚ እዋን ኣብ ስልጣን ዘለው ውልቀሰባት ብማዕረ ተሓተትቲ እዮም።

ምስምሳትን ጓል መገዲ ምፍጣርን

ካብዚ ቐጺለ፡ ኣብ ደምበ ተቛውሞ ተሰሊፎም ዘለው ዜጋታት፡ ኣብዚ እዋን ንኤርትራ ዘሳቕይዋ ዘለው ሕማማት፡ ንገድልን ህዝብን ካብ ገበን ሓራ ንምግባር ዝፈጥርዎም ምስምሳት ኣሕጽር ኣቢለ ከቕርቦም እየ።

(1) እቶም ውሑዳት ኣብ ስልጣን ዘለዉ እዮም!

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ጠንቂ ናይቶም ንኤርትራ ዘሳቕይዋ ዘለው ሕማማት፡ እቶም ውሑዳት ኣብ ስልጣን ዘለዎ፡ እቲ ዲክታቶር፣ ውሑዳት ብብልሽውና ዝተጠላቐዩ ጀነራላት፣ ውሑዳት ኣብ ቤት ጽሕፈት ዘለው ሓንጸጽቲ ፖሊሲ፣ ወይ’ውን ውሑዳት ኣብ ታሕተዋይ ጽፍሒ ዝርከቡ ኮሎኔላት እዩም ምባል ዳርጋ ፋሽን ኮይኑ ንረኽቦ። እዚ ድማ ንኹሉ-ነሐጉሶ ካብ ዝብል ፈሊጥ ዝብገስ ኮይኑ፡ እቲ ፍታሕ እንታይ ክኸውን ከምዝኽእል ንምልላዩ ድማ ብዙሕ ዘጸግም ኣይኮነን። ንሱ ድማ “እቶም ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ዝርከቡ ሰበስልጣን ምስዝእለዩ፡ ጸገማትና ብሓደ ረፍዲ ክቕንጠጥ እዩ” ዝብል ፍታሕ ንምቅራብ ዝዓለመ እዩ።

ዝዘንግዕዎ ነገር እንተሃልዩ ግን፡ ነቶም ኣብ ላዕሊ ዘለዉ ውሑዳት ምልጋስ ከቢድ ዝኾነሉ ቀንዲ ምክንያት፡ ኣብ ታሕቲ ማእለያ ዘይብሎም ዝተሓላለኹ ነገራት ብምህላዎም እዩ። እዞም ዝተሓላለኹ ነገራት ከኣ፡ ዝኾነ ሰብ ንላዕሊ ገጹ ንኸየመጣጥር ሓሊኾም ስለዝሕዝዎ፡ ዛጊት ሓደ’ኳ ንላዕሊ ክመጽእ ኣይከኣለን። ማዕረ ግምት ክወሃቦ ዝግባእ እምበኣር እቲ ኣብ ታሕቲ ተነዲቑ ዝርከብ ሃገራዊ ሕማም እዩ። እዚ ሕማም’ዚ እዩ ኸኣ ኣብ ኤርትራ ምልኪ ብዓወት ንኽወጽእ ምቹእ ባይታ ፈጢሩ ዝርከብ።

እቲ ንትእዛዛትን ፖሊሲታትን ኣብ ግብሪ ዘውዕል ወይ ዘፈጽም ኣብ ኣዝዩ ታሕተዋይ ጽፍሒ ዝርከብ ዜጋ፡ ማለት እቲ ዝስሊ፣ ዝሕሱ፣ ዝቅጥቅጥ፣ ካድር፣ ኣጋር ሰራዊት፣ ገንዘብ ዝእክብ፣ ናይ ቴክኖሎጂ ባዓል ሞያ፣ ወረ ዝነዝሕ፣ መጣቕዒን ወዘተረፈን ካብቶም ኣብ ላዕሊ ዘለው ውሑዳት ሰበስልጣን ብዘይንእስ መጠን ተሓታቲ ሙኳኑ ክፍለጥ ይግባእ። እቶም ኣብ ታሕቲ ዘለው ክዓምዎ ዝኽእሉ ስርሓት ምስ ናይቶም ኣብ ላዕሊ ዘለው ሰባት ዝዳረግ ኣይኮነን። ዓቕሞም ኣዝዩ ድሩት እዩ። ከመይ፡ ብቁጽሪ ብዙሓት ስለዝኾኑ። ዕድል ምስዝወሃቦም ግን ማዕረ ናይቶም ኣብ ላዕሊ ዘለው ሰባት ዝዳረግ ገበናት ክፍጽሙ ምዃኖም ዘጠራጥር የልቦን።

እቲ ኣገዳሲ ጉዳይ እምበኣር፡ “እቶም ኣብ ላዕሊ ዘለው ሰበስልጣን እዮም” ዝብል ትሑት ግምት ዝወሃቦ ኣረዳድኣ ኮይኑ፡ ነቶም ዕምሪ ምልካዊ ስልጣን ንክናዋሕ ዝለዓለ ኢድ ዘለዎም ኣብ ታሕቲ ዝርከቡ ኣፈጸምቲ ነገራት ኣነኣኢስካ ምርኣይን ሸለል ምባልን እዩ። ነዚ ንምርዳእ ጥልቕ ዝበለ መርመራ ከተካይድ ዝጠልብ ኣይኮነን። ንኩነታት ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ጥራይ ምዕዛብ የድሊ። እዞም ዜጋታት ነዚ ስርዓት ብሞራል ጥራይ ዘይኮነስ ብገንዘባዊ መዳይ’ውን ካይተረፈ ክድግፍዎ ፍቃደኛታት እዮም። እዚ ኣብዚ እዋን ብ “ህዝባዊ መኸተ” ዝፍጸም ዘሎ ዘመተ እንተወሲድና፡ እቶም ኣብ ላዕሊ ዘለዉ ነቲ ጨቓኒ ስርሓቶም ኣብ ምስልሳል ምስቶም ኣብ ታሕቲ ዝርከቡ ባእታታት ብኸመይ ኣገባብ ከምዘተሓባበሩ ዘርኢ እቲ ዝቀለለ ኣብነት እዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ፡ ንርዱእ ይኹን ዘይርድኡ ምኽንያታት፡ ዛጊት ኣንጻር መንግስቲ ዝኾነ ዓይነት መርገጺ ክወስዱ ዘይፈቕዱ፡ ትም ኢልካ ምዕዛብ ዝመረጹ ክፋል ሕብረተሰብና ኣለዉ።

ነቶም ኣብ ላዕሊ ዘለዉ ሰበስልጣን ጥራይ ዘድሃበ ድሩት ኣረዳድኣ፡ ናብቲ ናይ መወዳእታ ጠርዙ ምስዝውሰድ፡ ጠንቂ ናይቶም ንኤርትራ ዘሳቕይዋ ዘለው ኣበሳታት ኣብ ልዕሊ ኢሰያስ ይጠቃለሉ፥ እቲ ዝሕተት ንሱ ጥራይ ምዃኑ እዩ። እዞም ድሩት ኣረኣእያ ዘለዎም ሰባት ግን ሓደ ዝዘንግዕዎ ጉዳይ ኣሎ። ኢሰያስ ጠፍጢፍካ ጠፋጢፍካ ናይ ልዕለ-ሰብ ምስሊ ክህልዎ ዘኽኣለ ቀንዲ ረቛሒ’ኮ፡ ውጽኢት ናይቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ክፍጸም ዝጸንሓ ምትሕብባር ተጋደልትን ሓፋሽን እዩ። ኣብ ኣስመራ ሓደ ጭራቕ (monster) ናይ ምህናጽ መስርሕ ኣብ ሓንቲ ለይቲ ዝተፈጸመ ዕማም ኣይኮነን።

እቲ ዘሕዝን ግን፡ እዚ ኣብ ልዕሊ ጠንቂ መሰረታውያን ጸገማት ዘሎ ድሩት ኣረዳድኣ፡ ብማዕረ ድሩት ኣፈታትሓ ጸገማት ዝጠልብ ምኳኑ እዩ። እዚ ስለዝኮነ’ዩ እምበኣር ዳርጋ መብዛሕተን ተቛወምቲ ውድባት፡ ኣቓልባኦን ኣብቲ መሰረታዊ ነገር ዘይኮነስ ኣብ ወሰናስን ናይቲ ጉዳይ ጥራይ ክተናኽፋ ንዕዘብ። ገለ ኢሰያስ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ንኻልኦት ከድምጽን ክዘራረብን ቅሩብ ከምዝነበረ የምስሉ’ሞ፡ ምስኡ ተዘራሪብካ ሓሳባቱ ንኽቕይር የእሚንካ ፍታሕ ምምጻዕ ዝብል እምነት ኣለዎም። ገለ ያኢ ኢሰያስሲ ንፈለማ እዋን ጌጋ ዝፍጽም ዘሎ ተልሜደን ገበነኛ ተረኪቡስ፡ ናብ ልቡ ምእንቲ ክምለስ፡ ምጽሓፍ ናይ ኣቤቱታ ደብዳቤ ከም መፍትሕ ሒዞም ይቀርቡ። ገለ ድማ ያኢ እዚ ስርዓት ናይ ጣዕሳ ምልክት ዘርኣየ ኾይኑስ፡ ንክመሓየሽ ዕድል ኣሎ ካብ ዝብል እምነት ብምብጋስ፡ ክሳብ ሕጂ “ስርዓት ምቕያር” ዝብል ሓረግ ስግድግድ ዘብሎም እዮም። ገለ ካልኦት “ፍኹስ ዝበለ ናይ ስርዓት ለውጢ” ይጠልቡ፥ እዚ ብኸመይ ኣገባብ ይረጋገጽ ንዝብል ሕቶ ግን ዋላ ሓንቲ መልሲ የብሎምን። ገለ ድማ ኣብ ንኢሰያስ “ማዕቀብ” ክገብሩ ይኽእሉ እዮም ኢሎም ዝኣመኑሎም ንኣሽቱ ፕሮጀክትታት ተጸሚዶም ንረኽቦም። እዚ ኣብ ልዕሊ ኢሰያስ ማዕቐብ ምግባር ዝዓለመ ጻዕርታቶም፡ ኣዝዮ “ዝተራቐቐ መጥባሕቲ” ኮይኑ፡ ነቶም ኣብ ላዕሊ ዝርከቡ ካብ ስልጣን ዝኣሊ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ክፍጠር ንዝኽእል ቓንዛ ድማ ዝፍውስ እዩ ዝብል ተስፋ ኣለዎም። ገለ ብምስምስ ብዙሕነት፡ ነቶም ኣብ ደንበ ተቛውሞ ዝርከቡ ዝኣረጉ ገበነኛታት ኣብ ምፍዋስ ዝተዋፈሩ እዮም። ካልኦት ድማ ያኢ እቲ ምስጥር ኣብ ምብይያድ ስያሜ ናይ ሓደ ማሕበር ተረኺቡለይሲ፡ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ምብዋዝ ውድባትን፡ ኣስማት ውድባት ኣብ ምልዋጥን ተዋፊሮም ንረኽቦም።

እዚ ክሳብ ሕጂ ብደምበ ተቓውሞ ክውሰድ ዝጸንሐ መርገጽታት ብሓፈሻ እንተሪኢናዮ፡ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ንኽረጋገጽ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ወላሓንቲ ጽልዋ ኣይጸንሖን፥ በዚ ክስተት እዚ’ውን እቶም ኣብ ደምበ ተቛውሞ ዘለው ብዙሕ ዝግደሱ ኣይመስሉን። ዋላ’ኳ እቲ ዝገብርዎ ድምጺ ኣብ ኣእዛኖም ጥራይ መቓልሕ ዝረክብ እንተኾነ፡ በቲ ዝገብርዎ ድምጺ ግን ኣዝዮም ዕጉባት እዮም።

(2) ኣብ ኩሉ ትሱዃዕ ካርድ፡ “ዓጋመ”!

እቶም ኣብ ክልተ ጫፋት ናይቲ ግጥም ዝርከቡ ወገናት ብሕጉስ መንፈስ ዝጥቐሙላ ናይ ሓባር መጣልዒት ካርድ ኣላቶም። ንሳ ኸኣ ኣብ ኩሉ ክትስኳዕ ትኽእል፡ “ዓጋመ” እትብል ሓረግ እያ። ብኽልቲኦም ወገናት ብዕቱብ ዝስርሓሉ “ሓቐኛ”ን “ጽሩይ”ን ኤርትራዊ መሲልካ ናይ ምቕራብ ከንቱ ጻዕርታት ንዕዘብ። ጠንቂ ናይቶም ኣብ ልዕሊ ሃገር ዝወርዱ ዘለው ኣበሳታት ብደቀባት ዝፍጸሙ ኣይኮኑን ዝብል ርድኢት ገኒኑ ንረኽቦ። እዛ ርድኢት እዚኣ ኸኣ “ሃገራዊ” ምዃንካ እተመስክር ኮይና፡ እታ ንኣብ ደምበ ተቛውሞ ዘለውን ንህግደፋውያንን እተራኽቦም ናይ ሓባር ገመድ እያ። እዚ “ጽሩይ ኤርትራዊ” ኾይንካ ናይ ምቕራብ ዘመተ፡ ኣነዋርን ፋሽሽታውን ኮይኑ፡ ኣብ መብዛሕትአን መርበባት ሓበሬታ ብተደጋጋሚ ክእንገድ ንዕዘብ። እቲ ኣዝዩ ዘስደምም፡ ሓንቲ ካብዘን መፍተል ሓበሬታ፡ ንገዛእ-ርእሳ’ውን እንተኾነ ብዘይሕንከት “ደቀባት” ዝብል ስም ዝሓዘት ምዃና እዩ።

እቲ ጸለመ ወይ ክሲ ካብ ሕሉፋት ደገፍቲ ህግደፍ ዝነቀለ እንተኾይኑ፡ ዝኾነ ንስርዓት ኢሰያስ ዝቃወም ዜጋ “ሓቐኛ ኤርትራዊ” ክኸውን ኣይክእልን እዩ ዝብል ርድኢት ኣለዎም፥ እቲ ዜጋ ወይ ዓጋመ ወይ ከኣ ኢትዮጵያዊ መቦቖል ዘለዎ እዩ። እዚ ጠቀነ’ዚ ድማ ብኣልማማ ዝስረሓሉ ጉዳይ እዩ። ብዓይኒ ደገፍቲ ህግደፍ፡ ዝኾነ ንስርዓት ኢሰያስ ዝብድህ ዜጋ፡ ብደረጃ ኣምር፡ “ዘይሓቐኛ ኤርትራዊ” እዩ። እዚ ድማ ከም ቅቡል ኣምር ስለዝተወስደ፡ ነቲ ጸለመ ንምርግጋጽ ተወሳኺ መርትዖ ምቕራብ ኣድላዩ ኣይኮነን ዝብል ርድኢት ኣብ መንጎኦም ነጊሱ ንረኽቦ።

እቶም ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዝርከቡ ድማ ጽርየት ኤርትራዊ መበቖል ኣብ ምሕላው ከይሰልከዩ ዝሰርሑ ዘለው ኮይኖም ይቐርቡ። እቲ ቀንዲ ድቃስ ዝስእንሉ፣ ተገዲሶምን ተጨኒቆምን ዝሓስብሉ፣ ስራሕና ኢሎም ዝገብርዎ ነገር እንተሃልዩ፡ ምጽራይ ዘርኢ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ እዩ። ኣብ ዘርኢ ናይ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ ክንደይ ዝኣክል ናይ ትግራይ ወይ ናይ ኣምሓራ ደም ከምዘሎ ምጽናዕ እቲ ዝዓበየን ግዜኦም ዝስውኡሉን ስራሕ እዩ። እዚ ኩሉ ኢሰያስ ዝፍጽሞ ዘሎ ገበናት፡ ናይ ዓጋመ ዘርኢ ስለዘለዎ እዩ ዝብል ጽኑዕ እምነት ኣለዎም። እዚ ኸኣ ክሕደት ኣብ ልዕሊ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቅታት እዩ፥ ካብዚ ዝስዕብ ኣተሓሳስባ ዝነቅል እዩ ኸኣ፥ “ዝኾነ ሓቐኛ ኤርትራዊ ከምዚ እዞም ሰባት ዝፍጽምዎ ዘለዉ በደላት ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ክፍጽም ኣይክእልን እዩ። እምበኣርሲ እዞም ሰባት ናይ ዓጋመ ዘርኢ እንተዘይህልዎም ኔሩ፡ እዚ ኩሉ ኣደራዕ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ኣይመውረዱን”። ሓንሳብ እዚ ድንቁርና ዝዓብለሎ ኣታሓሳስባ ከም ቅቡል ምስተወስደ፡ ገድልን ሓፋሽ ኤርትራውን ካብቲ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ዘብጽሕዎ ዘለው ገበናት ብቐሊሉ ነጻ ኽወጹ ንዕዘብ። ከም ህዝቢ ሓንሳብን ንሓውሩን ነቲ ዓትዒቱ ሒዝዎም ዘሎ ጋኔን ተቢዖም ኣብ ክንዲ ምብዳህን ምስዓርን፡ ሽከና ርእሶም ኣብ ሑጻ ምቅባር እዮም ዝመርጹ።

እቲ ዘሕዝን፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሽወደን ዝመደበሩ ቲቪ ዘተ ዘዳለዎ “ንኣውራጃውነትን ኤርትራዊ መንነትን” ዝምልከት ክትዕ ዘረጋገጸልና ሓቂ እንተኔሩ፡ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ዝንቡዕ ኣተሓሳስባ ኣብ ሕብረተሰብና ነጊሱ ምህላው እዩ። እቲ ቐንዲ ዛዕባ ናይቲ ክርክር፡ ማለት ኤርትራዊ ሃገራውነት ኣብ ኣውራጃ ዝተመስረተ እዩ ዝብል ኣጠራጣሪ ጉዳይ ንጎኒ ገዲፍና፡ እቶም ተኸራኸርቲ ግን ኣብ ግጉይ ናይ ሓባር መደምደምታ ዝተሰማምዑ ይመስሉ። እዚ መደምደምታ ኸኣ፡ እቶም ነዚ ኣብ ሃገርና ዝወርድ ዘሎ ኣደራዕ ዝሕተቱ፡ እቶም ናይ “መንነቲ ቅልውላው” ዘለዎም ሰባት እዮም ዝብል እዩ። ነዚ ሓላፍነት ዝጎደሎ ርድኢቶም ዝውሃብ ዝነበረ ሕቡእ ርትዒ ኸኣ፡ እዞም ናይ መንነት ቅልውላው ዘለዎም ሰባት ኤርትራዊ መንነቶም ክዕቀበሎም እንተኾይኑ፡ ኤርትራዊያን ኣውራጃዊ መንነቶም ምስዝንፈጎም እዩ። ኣግፍሕ ኣቢልና እንተሪኢናዮ ድማ ኤርትራውያን ሃገራዊ መንነቶም ምስዝንፈጎም ዝብል ይኸውን። እቲ ብማዕረ ዘደንጹ ኸኣ ናይቶም ንህግደፍ ዝድግፉ ዘለው ሰባት “መቦቆል” ብደቒቅ ክጽናዕ ኣለዎ ዝብል ዝንቡዕ እማመ ምሕላፎም እዩ። እዚ ከም ምህዳን ጠንቓሊት ዘስምዕ እንተኾይኑ፡ እዚ ምንታይሲ ከምኡ ስለዝኾነ እዩ።

ብዓይኒ እቶም ተኸራኸርቲ፡ ጉዳይ ናይቶም ነዚ ግናይ ስርዓት ንክሰርር ዝተሓባበሩ ዘለዉ ዓሰርተታት ኣሽሓት “ሓቐኛታት ኤርትራዊያን” ብካልኣይ ደረጃ እዮ ዝስራዕ። እቶም ቀንዲ ገበነኛታት፡ እቶም ውሑዳት ኣብ ደሞም ናይ ትግራይ ወይ ናይ ኢትዮጵያ ዘርኢ ዘለዎም ሰባት እዮም ዝብል እምነት ኣለዎም። ብሸነክ ኤርትራ ናይ ዓሌት ምጽናት ብጻዕቂ እንተዝስርሓሉ’ሞ፥ ዋላ ሓደ ናይ ትግራይን ኢትዮጵያን ዘርኢ ዘለዎ ሰብ ኣብ መሬት ኤርትራ ከምዘይህሉ’ውን እንተዝግበር፥ ካብ ኣእምሮኦ እዞም ሰባት እዚ ዓይነት ዝንቡዕ ኣተሓሳስባ ብቀሊሉ ከህስስ ዝኽእል ኣይኮነን። ካብዚ ብወለንታኻ እንትኣትዎ ዑረት ልቢ እዩ ኸኣ ዝተቀናጀወ ምስሊ ዘለዎ ፍጥረት ክህነጽ ዝኽእል።

ካብ ኣብ ላዕሊ ተጠቂሱ ዘሎ ብምብጋስ እምበኣር፡ ብዙሓት ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዝርከቡ ሰባት ምስ ህግደፋውያን ብምትሕብባር፡ ነቲ ካብ ሜዳ ኣትሒዙ ክስረሓሉ ዝጸንሐ፡ ንሃገር’ውን ዝሃሲ ዘሎ፡ ናይ ምንጻል ባህሊ ኣብ ምቅጻሉን ምስሳኑን ይተሓባበሩ ምህላዎም የረጋግጸልና። እዚ ምንታይሲ፡ ኣብዚ እንዳማዕበለ ዝኸይድ ዘሎ ዕልመናዊ (ግሎባላዜሽን) ዓለም፡ ዝኾነት ሃገር ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ጸቢብ ኣተሓሳስባታት እንዳኮማስዓት ክትሰርር ፍጹም ኣይትኽእል። ነጻሊ ባህሊ ሻዕብያ ኣብ መቃልሕ “ፍልዩነት” ኤርትራ እንዳተንሳፈፈ ዝሰርር ዘሎ ኮይኑ፥ እቲ ዘሕዝን ኸኣ ብብዙሓት ተቓወምቲ “ፍልዩነት” ኤርትራ ከም ሰናይ ሓሳባት ክደጋገም ምርኣይ እዩ። እዞም ክልተ ወገናት፡ ንኡስ ረብሓ ዘለዎምን ንሓድ-ሕዶም ዝጻረሩን መክሰባት ንምጭባጥ፡ ነዚ ሕማቅ ባህሊ ብቀጻሊ ክሰርሕሉ ንዕዘብ።

(3) ብስም ስውኣት

ኣብ ርእሲ ኣብ ዝሓለፉ ጽሑፋት ዝተጠቕሱ ሓሳባት፡ ሓደ ካብ ኩሎም ተኣፋፊ ጉዳይ ኣሎ፥ እሱ ድማ ንስውኣት ዝምልከት እዩ። ዳርጋ ኩሉ ኤርትራዊ፡ ካብ ህግደፍ ይኹኑ ዋላ’ውን ኣብ ደምበ ተቛውሞ ዝርከቡ ዜጋታት ብሓፈሻ፡ ስውኣትና ዝተሰውእሉ ምክንያት ን “ዝበለጸት” ኤርትራ እዩ ዝብል እምነት ኣለዎም። ኣብ ትሕቲ ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ግን ክልተ ካብ ሓቂ ዝረሓቑ ሓሳባት ተነጺፎም ንረኽቦም። እቲ ቀዳማይ፡ ካብ ህልዋት ንላዕሊ ስውኣት ዝያዳ ብልሒን ጥበብን ከምዘለዎም ዘረድእ እዩ። በዚ መሰረት፡ እቶም ህልዋት ተሰዊኦም እንተዝኾኑ፡ ካብ ብህይወቶም ኣብዚ ሕጂ እዋን ንላዕሊ ዝያዳ በላሕቲ ምኾኑ ኔሮም፡ ዝያዳ ሃገራውያን፣ ዝሓሹ ደሞክራሲያውያን፣ ዝበለጹ ዜጋታትን ወዘተረፈን ዘስምዕ ሓሳባት ከም ቅኑዕ ይውሰድ ማለት እዩ። ወይ ኸኣ ብኣንጻሩ፡ እቶም ስውኣት ህልዋት እንተዝኾኑ፡ እንታይ ክገብሩ ከምዘለዎም ስለዝፈልጡ፡ ኤርትራ ኣብዚ ሕጂ ትርከቦ ዘላ ደረጃ ኣይምወደቐትን ንምባል እዩ። እዚ ኣባህላ ንገዛእ-ርእሱ ብሃውሪ ዝቀርብ ኮይኑ፡ ንዕኡ ክድግፍ ዝኸእል መርትዖ የልቦን።

እቲ ኻልኣይ ድማ፡ እታ ኣብ ሕልሚ ስውኣትና ዝነበረት “ዝበለጸት ኤርትራ” ከምዚ ኢያ ትመስል ኢሉ ክቀርጻ ዝኽእል ዋላ ሓደ’ኳ የልቦን። ኣብዚ እዋን ሕልሚ ስውኣትና ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ከምዝነበረት ኣምሲሎም ዝዛረቡ ብዙሓት እዮም። እዚ ግን ነቲ መርትዖ ብጌጋ ካብ ምርዳእ ዝኽሰት ኣተሓሳስባ እዩ። ኣብ ገድሊ ናይ ዲሞክራሲ ባህሊ ከምዝነበረ ዘርኢ ዝኮነ ኣሰር ኣይርከብን። መብዛሕትኦም ስውኣት፡ ብሓይሊ ተገፊፎም ኣብ ገድሊ ዝዓስከሩ ሓረስቶት ኮይኖም፥ ዲሞክራሲ ከመይ ከምዝሰርሕ ኣመት ዘይነበሮም እዮም። እቶም ዝተረፉ ምሁራት’ውን፡ ኣብ ማርክሳዊ ክልሰ-ሓሳብ ምሉእ ብምሉእ ተጸሚዶም ዝረበሩ እዮም፥ ብልክዕ’ውን እንተኾነ ነዚ ኣብዚ እዋን ሊበራላዊ ዲሞክራሲ ኢልና ንጽውዖ ስነ-ሓሳብ ምሉእ ብምሉእ ዝጻረሩ እዮም ኔሮም። ንድሕሪት ተመሊስና ዴስነት ይኹን ሊበራሊዝም ብንጹር እንታይ ምዃኖም ኣብ ዘይፍለጥሉ ዝነበረ እዋን፡ ማለት ክሳብ እዋን “ፈለምቲ ሰውራ” ተባሂሎም ዝጽውዑ ከም በዓል እድሪስ ዓዋተ ዝነበርሉ እዋን ዳህሳስና ምስእነካይድ፥ ኣብቲ ሽዑ እዋን ቐቢላ፣ ሃይማኖትን ዝና ናይ መራሕን ከም ቀንዲ መነቓቕሒ መሳርሕታት ኮይኖም ዘገልግልሉ ዝነበሩ ፊውዳላዊ ዓለም ኢና ንረክብ። ነዞም ናይ ሽዑ እዋን ፊውዳላውያን፡ ዲሞክራሲ እንታይ ምዃኑ ከለልይዎ ኣይክእሉን እዮም፥ ዋላ ገጽ ንገጽ እንተዝራጸሞም። ካብ እዋን ገድሊ ዝፍለጥ ነገር እንተሃልዩ፡ ጀብሃ ይኹን ሻዕብያ ኣብ ልዕሊ ዲሞክራስያዊ መስርሕ ዝነበሮም ንዕቐት ጥራይ እዩ።

እቲ ዝኸፍአ ኸኣ፡ ኣብዚ ብግቡእ ዘይተገልጸ ሰውራ፡ መስዋእቲ ብዝያዳ ንኽቕጽል ስውኣት መሰረታዊ ጠንቂ ኾይኖም ምህላዎም እዩ። ንዝበዝሕ ኤርትራዊ ዜጋ ህዝቢ ንምንታይ ምኽንያት እዩ እዚ ኹሎ መስዋእቲ ዝኸፍል ዘሎ ኢልካ ምስትሓቶ፥ “ብዙሓት መስዋእቲ ዝኸፈልሉ ጉዳይ ስለዝኾነ” ዝብል መልሲ ይህቡኻ። ካብዚ፡ እቲ ዝክፈል መስዋእቲ ንሕሉፍ ታሪኽ ገድሊ ንምዕቓብ ተባሂሉ ዝግበር ሙዃኑ ትርዳእ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እቲ ቀንዲ ሃገራዊ ዕላማስ እቲ ኣገባብ ወይ ናይ ብዙሓት መስዋእቲ ኮይኑ ንረኽቡ። ኣታሓሳስቦኣኦም ማዕረ ኽንደይ ብግልብጥሽ ኮይኑ ከምዘሎ ኣየስተባህልሉን እዮም። ሓደ ዕላማ ስለዝተሰውእካሉ ጥራይ ቅቡል ይኸውን ማለት ኣይኮነን፥ እንታይ ድኣ ቅድምቲ ዝግበር መስዋእትነት ህላውነት ዘለዎ ክኸውን ይግባእ። ንሃገርና እንዕቕበሉ ቐንዲ ምክንያት ብዙሓት ሰለዝተሰውኡላ ኢልና ንኣምን እንተኾይንና፡ ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ጸገም ኢና እንርከብ ዘሎና ማለት እዩ።

(4) ክትከላኸለሉ ዘይክኣል ፍልልይ ኣብ መንጎ ሻዕብያን ህ.ግ.ደ.ፍን

ንሻዕብያ፡ ካብ’ቲ ኣብ ልዕሊ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ክፍጽሞ ዝጸንሐ ዘደንጹ ግፍዕታት ሓራ ንምግባሩ፡ ንማለቱ ውሕሉል ኢድ ዝጥቀሙ ኣለዉ። “ነዚ ኹሉ ገበናት ሻዕብያ ዘይኮነስ ህ.ግ.ደ.ፍ.’ዩ ዝፍጽሞ ዘሎ” ይብሉ። ግና’ኸ ዝኾነ ስም ይጠመቕ ብዘየገድስ፡ ሻዕብያ ሻዕብያ ምዃኑ ኣይተርፎን እዩ። ህዝባዊ ግንባር፡ ነዚ ሓድሽ ህ.ግ.ደ.ፍ ዝብል መጸዊዒኡ ሓዲጉ፡ ነቲ ናይ ቀደም ስሙ ክጥቀም እንተ ዝመርጽ፡ እዞም ሕጂ ምስ ዝደናገጹ ዘለው እንታይ ክብሉ ከምዝኽእሉ ርግጸኛ ኣይኮነኩን።

ብዝኾነ፡ እቲ ኣብዚ እዋን ንሙሉእ ሃገር ዘሳቕያ ዘሎ ሕማምሲ፡ ብሰሪ እቲ ኣብ ገድሊ ዝነበረ ኣረጊት መሪሕነትን ጸቓጢ መሳርዑን፥ ከምኡ’ውን ብሰሪ እቲ ካብ ሜዳ ዝመጸ ዘይተጻዋርን ተጻራርን ባህሊ ምዃኑ ንምርድኡ ከቢድ ኣይኮነን። ህላወ ናይ’ቶም ፍልይ ዝበለ ኣረኣእያ ዘለዎም፡ እሞ’ኸኣ ቁጽሪ ውሑዳት ዝኾኑ ኣብ መንጎ ሻዕብያ ስለዘለው፡ ንእንታይነት ሻዕብያ ክልውጦ ኣይክእልን። ኣብ ታሪኽ ህዝባዊ ግንባር፡ ብዙሓት ብኣርኣእያኦም ፍልይ ዝበሉ ተጋደልቲ ነይሮም’ዮም። እቲ ኣብ ኩሉ ኣጋጣሚታት ቀዋሚ ኣካይዳ ኮይኑ ዝተዓዘብናዮ ግን፡ ሻዕብያ ከዳቕቆምን ክበልዖምን ምጽንሑ እዩ። እቲ ኣገዳሲ ነገር ኸኣ፡ ዳርጋ ኩሎም እዞም ሕጂ ህግደፍ ዝኽተሎም ዘሎ ፓሊሲታት፡ መሰረቶም ሜዳ ምዃኑ እዩ።

እቲ ኣብዚ ሕጂ እዋን ንዕዘቦ ዘሎና ኣሰራርሓስ፡ ክሳብ እቲ ዝደቀቐ ኣካይድኡ፡ ልክዕ ቅዳሕ ናይቲ ኣብ ሜዳ ዝግበር ዝነበረ ኣካይዳ ምዃኑ እዩ። ኣብነት ንምጥቃስ፦ ጭካነ ዝመልኦ ግፋ (ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም መሕብኢ ዘይነበሮም ድኻ ሓረስቶት)፣ ምስፍሕፋሕ ቤት ማእሰርቲታት (ናይ ሻዕብያ ትሕተ-መሬታዊ መርዓዲ ክፍሊ)፣ ዕድል ዘይህብን መምሎቒ ዘይብሉን ጨፍላቕን ድራኮናውን መሳርዕ ጸጥታ (ከም “ሓለዋ-ሰውራ” ዝኣመሰለ ቀንዲ መጠርነፊ ክፍሊ)፣ ኣብ ሳሕል ዝነበሩ ናይ መረሸኒ ቦታታት (ህልቂትን መወዳእታ ዘይብሉ ምጽጻይ፦ ከም ኣብ ልዕሊ መንካዕ፣ የሚን፣ “ጃሱስ”ን ወ.ዘ.ተን ዝተወስዱ ስጉምታት)፣ ኣንጻር ዝኾነ ጥርኑፍ ምንቕስቃስ ተጻባኢ መርገጺ ምሓዝ (ከም ኣብ ልዕሊ ጀብሃ፣ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ወ.ዘ.ተን)፣ ነብስኻ-ምኽኣል ዝብል ካብ ሓቂ ዝረሓቀ ፍልስፍና (ከም፡ ብጽፍርና፡ ብቅልጽምና)፣ ንጥንታውን ዘመናውን ሃይማኖት ክፈሊ ዘይክእል ሃይማኖታዊ ፓሊሲኡ (ኣብ’ቲ ናይ ሜዳ ቅዋሙ ዘስፈሮ)፣ እታ ንዓለም ዘማዕድወላ ዘይርግእትን ራዕዲ ዝመልኣን መነጽርሩ – እታ ንናይ ወጻኢ ፓሊሲታቱ ትሕብር ፊሎሶፊ (ማለት፡ “ንሕና ኣንጻር ምልእቲ ዓለም” ብዝመልአ ኣተሓሳስባ ዝተዓብለለት)፣ እዚ ሕጂ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተደጋጊሙ ዝርአ ዘሎ ተሞክሮ ገድሊ (ምስናይ ኩሉ ዘይተጻዋሪን ተጻራሪን ዓንድታቱ)፣ ተጋደልቲ ዝነበርሉን ዝላደይሉን ምልካዊ ኣተሓሕዛ (ማለት፡ እዚ ሕጂ ኣብ ሙሉእ ኤርትራ ሰፊኑ ዝርከብ)፣ ገድሊ ንኽቕጽል ተራ ዝተጻወተ ንመስዋእቲ ቁሩብ ናይ ምዃን ባህሊ (ሕጂ’ውን ን ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ስልጣን ንኽጸንሕ ዝጽዓተሉ ዘሎ)፣ ወ.ዘ.ተ.።

ኩሎም እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ፡ ካብቶም ኣብ ቀተልቲ ኣእምሮ ኢሰያስን ኮራኩሩን ካብ እዋን ገድሊ ኣትሒዞም ተነዲቆም ዝርከቡ ኣሳእል ኮይኖም፥ ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ክሳብ እቲ ዝደቀቐ መልክዖም ንኻልኣይ ግዜ ተደጊሞም ክስረሓሎም ንዕዘብ። እዚ ኸኣ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ሓድሽ ዝተፈጥረ ክስተት የልቦን፥ እንታይድኣ፡ ካብ ሑሉፍ ታሪኽ ንኸይንማሃር ብወለንታና ቦኺርና ምህላውና ጥራይ እዩ። ኣብ’ቲ ድሕሪ ናጽነት ዝነበረ ሓጎስ ዝመልኦ እዋን፡ ዝኾነ ኣብ’ዞም ኣነወርቲ ተግባራት ታሪኽ ገድሊ ዘድሃበ ሰብ፡ ነቲ መብዛሕትኡ ኤርትራዊ ክውንኖ ዝብህጎ ዝነበረ ዝተቐናጀወ ምስሊ ገድሊ፡ ክዘራርግ ዝተዓጥቀ “በካሊ” የቁጽሮ ነይሩ።

ካብዚ ኹሉ ዘገርም እንተሃልዩ እቲ ሰሙር ስቕታ ናይቶም ቀዳሞት ተጋደልቲ እዩ። ዋላ እቶም ኣብዚ ሕጂ እዋን ንኢሰያስ ብቃልዕ ከውድቕዎ ዝጽዕሩ ዘለዉ ናይ ቀደም ላዕለዎት ሰበስልጣናት ከማን፡ ነቶም ኣብ ሕሉፍ ታሪኽ ገድሊ ዝተፈጸሙ ግፍዕታት ክኣምንሎም ዛጊት ኣይከኣሉን። እዚኣቶም’ውን ከም ህግደፋውያን ክሕደተ ኣብ ልዕሊ ሓቀኛ ፍጻሜታት ኣብ ምፍጻም እዮም ዝርከቡ። እቲ ኣብ መንጎ ሻዕብያን ህግደፍን ፍልልያት ከምዘሎ ንምርኣይ፡ ብቀጻሊንኽጽዕሩ ዘተባብዖም ጉዳይ እንተሃልዩ፡ ምስሊ ገድሊ ተቐናጅዩ ንኽነብር ዝለዝህንጠዩ እዩ።

(5) ንጀብሃ ካብ ገበን ሓራ ምግባር

ንብዙሓት ጀብሃዊ ድሕረ-ባይታ ዘለዎም ተቓወምቲ፡ ኣብ መንጎ ሻዕብያ ንዝኽሰት ቅልውላው፡ ንመሓደሲ ሽም ጀብሃን ኣተሓታቲ ታሪኽ ዘለዎም ተጋደልታ-ነበርን እዮም ከም መሳርሒ ዝጥቀምሉ፥ ነዚ ንምፍጻም ድማ ምሉእ ግዜኦምን ዓቕሞም የወፍዩ። እዚ ንገዛእ-ርእሱ ግን ካብቲ ህግደፋዊያን ንሻዕብያ ኣብ ምክልካል ዘርእይዎ ምስሉይነት ንላዕሊ እዩ። እቲ ምነታይሲ፡ ቲፎዞ ጀብሃ፡ በቲ ሓደ ንኹሎም ሻዕብያ ዝፈጸሞም ግፍዒታት ክንዝክሮ ይደልዩና፥ ስእሊ ጀብሃ ንኽድወን ዘኸተሉ ረቛሒታት ክንዝክሮም ግን ዘይፈቕዱ ምዃኖም እዩ። እቲ ሓቂ ግን ጀብሃ ኣብ ምሉእ ታሪኹ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓበይቲ ጸገማት ተቐርቒሩ ዝሓለፈ ውድብ ከምዝኾነ እዩ። ዋላ’ኳ ኣብ ኩሎም እቶም ድኽመታቱ ምስ ድኽመታት ሻዕቢያ ተመሳሳልነት እንተሃለዎ፥ ንጸላኢ ናይ ምግጣም ዓቕሙ ግን ኣዝዩ ድሩት እዩ፥ ምስ ዓቕሚ ሻዕቢያ ዝወዳደር ኸኣ ኣይኮነን።

ግና’ኸ፡ እቲ ንጀብሃ ብልክዕ ዝገልጾስ፡ እቲ ጉጅለኣዊ ባህርያቱ እዩ። ብመሰረቱ እዚ ውድብ፡ ዓሌታውን ሃይማኖታውን ስምዒታት ዓብሊልዎ፡ ብጉጅለኣዊ ኣተሓሳስባታት ተደሪኹ ዝተፈጥረ እዩ። ኣብ ምሉእ ታሪኹ ኸኣ ኣብ ጉጅላኣዊ፡ ማለት ሃይማኖታዊ፣ ኣውራጃዊ፣ ቐቢላዊ፣ ቋንቋውን ስነሓሳባውን ጭቅጭቅ ዝተዋሕጠ እዩ ኔሩ። ብሰሪ ጉጅለኣዊ ባህርያቱ ዘበገሶ ጽልልኣት ድማ ዕምሩ ክሓጽር ክኢሉ። እቲ ኣብ 70ታት ክግብሮ ዝፈተነ ጽገናታት፡ ብፍርቂ-ልቢ ዝተገበረ ምንባሩ ሰንከልከል ካብ ምባል ዓዲ ኣይወዓለን። እቲ ቀንዲ ምኽንያት፡ ንነብሱ ካብ ጸቢብ ጉጅለኣዊ ኣተሓሳስባ ከልግስ ብዘይምክኣሉን፡ ኣብ ጉዕዞ ቃልሱ ድማ ነቶም ጉጅላዊ ኣተሓሳስባ ዝነበሮም መራሕቱ ንኽኣልዮም ፍቓደኛ ብዘይምንባሩ እዩ። ሎሚ’ውን እንተኾነ፡ እቲ ካብ ሓሙኽሽቲ ጀብሃ ዝተረፈ ጃንዳ፡ ነቲ ውድብ ናብ ውድቐት ንኸምርሕ ዝደረኸ ግጉይ መስመር ተኸቲሉ ክኸይድ ምርኣይ ዘገርም ኣይኮነን። ኣብዚ እዋን ኸኣ፡ ነቶም ናይ ሃይማኖትን ዓሌትን ካባታቶም፡ ካብቲ ተሓቢኦምሉ ዝነበሩ ከብሒታት ኣውጺኦም፡ ለቢሶሞም ናብ ናይ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ኣኬባታት ክኸዱ ንዕዘብ።

ደገፍቲ ጀብሃ ዘርእይዎ ተገራጫዊ ሓሳባት ኣብ ኩሉ ጎሊሑ ይርአ እዩ። ብንቕሓት ንሕሉፍ ታሪኽ ሻዕብያ ክፍትሹን ዓስከሬናቱ ክጋልሁን ንዕዘብ፥ ክግበር ዝግብኦ እዩ፥ ግና’ኸ ብተመሳሳሊ ንታሪኽ ጀብሃ ክንገልህ ምስንፍትን- ማለት ኣብ ልዕሊ ፋሉል፣ ስርየት ኣዲስ፣ መንፈረ፣ ራስያን ኩሎም ቅድምን ድሕሪን ዋዕላ ኣዶብሓ ዝተፈጸሙ ጭፍጨፋታት ምስ እተልዕለሎም፡ ኣዝዮም ይንድሩ። ንኢሰያስ ብዝገበሮም ጌጋታትን ዝፈጸሞም ገበናትን እርይ ቁጽር ኣቢሎም ክነቕፍዎ ባህ ይብሎም፥ እዚ’ውን ክግበር ዝግብኦ እዩ፥ ግና’ኸ ነቶም ዘይምዕቡላት፣ ዘይዲሞክራሲያውያን፣ ፈላለይትን ጨፍጨፍትን መራሕቶም ዝምልከት ዝኾነ ዓይነት ኣሉታዊ ነቐፌታ ክሰምዕዎ ኣይዶልዩን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነዞም መራሕቲ ኮሓሒሎም ሂወት ክሶኽዕሎም ህርዲግ ይብሉ። ህዝቢ ኩናማ ኣብ ትሕቲ ሻዕብያ ዘጋጠሞ ምግልልን ግፍዕታትን ከይሰልከዩ የዘካኽሩና፥ እዚ’ውን ክግበር ዝግብኦ እዩ፥ ግና’ኸ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኩናማ ዝተፈጸመ ናይ ምግልልን ምግፋዕን በደል ነዊሕ ታሪኽ ዘለዎ ሙዃኑ፣ ብጀብሃ ብዙሓት ዓድታት ኩናማ ከምዘይነበራን ናብ ሓሙክሽቲ ከምዝተቐየራን፣ ብዙሓት ደቒ ኩናማ’ውን ከምዝተቐትሉን ከብቶም ከምዝተራሰያን እንተ ኣልዒልካሎም ርእሶም ይሓሙን ይቑጥዑኻን። ለይትን መዓልትን ብሻዕብያ/ህግደፍ ኣብ ልዕሊ እሱራት ዝፍጸም ኢ-ሰብኣዊ ተግባራት ክዝርዙርልካ ዘሰልክዮም ኣይኮነን፥ እዚ’ውን ክግበር ዝግብኦ እዩ፥ ግና’ኸ ካብቶም ኣብ ታሪኽ ገድሊ ዝተፈጸሙ ኣዝዩ ዘሕንኽ ተግባራትሲ፡ እቲ ኣብ ሰብዓታት ኣብ ግዜ ምዝላቕ ብጀብሃ ኣብ ልዕሊ እሱራት ኢትዮጵያውያን ዝተፈጸመ ጃምላዊ ናይ ምርሻን ስጉምቲ እዩ። በዚ መንጽር ክርአ እንከሎ፡ ሻዕብያ’ውን ነዚ ዝዳረግ ግፍዒ ዛጊት ኣይፈጸመን።

እቲ ዝርዝር ምደርደርክዎ፦ ብጀብሃ ዝተጀመረ ዘስካሕኽሕ ግፋ፣ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ዝፍጸም ዝነበረ ጾታዊ ዓመጽ (ብፍላይ በቶም ብልሽዋት ካድራትን ወተሃደራዊያን ሓለፍትን)፣ ለበዳዊ ብልሽውና መሪሕነትን ወ.ዘ.ተረፈን። ኩሎም እዚኦም ዘሕንኹ ፍጻሜታትን ተግባራትን ቅድም ኢሎም ብጀብሃ ዝጠረዩ ተመክሮታት ኮይኖም፡ ጸኒሑ ሻዕብያ ከም ውርሻ ተቐቢሉ ብዝበለጸ ኣገባብ ዝተራቐቐሎም እዮም።

(6) ጽውጽዋያትን ሓሶታትን

ሰውራ ምኽኑይ ንክኸውን፡ ኤርትራዊያን ብገድሊ ተቓሚሞም ንዝቐረብሎም ጽውጽዋያት ሓቕነቶም ካየረጋገጹ ክቕበሉ ጸኒሖም። ቅድም ቀዳድም፡ ኤርትራዊያን ካብ ኢትዮጵያዊያን ዝተፈልየ ሃገራዊ መንነት ከምዘለዎም ከምዝኣምኑ ክግበር ኔርዎ። እዚ ግን ከምቲ መሲሉ ዝረኣየና ብቀሊሉ ክረጋገጽ ዝክእል ስራሕ ኣይኮነን። ከመይ፡ እዚ ኤርትራዊያን ካብ ኢትዮጵያዊያን ዝፈላልየና ሮቓሒታት ፈሊካ ምርግጋጽ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነቲ ዝተፈላለየ ኣካል ሕብረተሰብ ኤርትራ ናብ ሓደ ዝተጠመረ መንነት ምውጻእ‘ውን ዝሓትት ጻዕሪ ስለዝኮነ። ነዚ ከቢድ ጻዕሪ ንምርግጋጽ እዩ እምበኣር ኣብ ሰውራ ታሪኽ ክመሓየሽ ዝነበሮ፥ ጽውጽዋያት’ውን ተቓሚሞም ከምዝውሰኽሉ ዝተገብረ። ገለ ካብቶም ተኸሻሺኖም ዝቐረቡ ነገራት ድማ እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎ፦

(ሀ) ንሕና ኤርትራዊያን ዝተፈላለየ ድሕረ-ባይታ (ሃይማኖት፡ ዓሌት፡ ኣውራጃ፡ ቋንቋ ወ.ዘ.ተ.) እንዳሃለወና ንነዊሕ ዘበናት ብሰላምን ርግኣትን ዝነበርና ህዝቢ ከምዝኾንና፥ ብፍላይ ኸኣ ካብ ናይ ደገ ሓይልታት ምትእትታዉ ነጻ ምስእንኸውን። እዚ ግን ብመርትዖታት ታሪኽ ዝተደገፈ ኣይኮነን፥ ብኣንጻሩ ብናይ ወጻኢ ሓይሊ ሕግን ስርዓትን ኣብ ዝቖመሉ እዋን ጥራይ እዩ ኣብታ ሃገር ሰላም ተረጋጊጹ ዝፈልጥ። ንኣብነት ኣብ እዋን መግዛእቲ ጣልያን።

(ለ) “ኤርትራዊ መንነት ዝበሃል ነገር ከምዘሎን፥ ከንዲ ዕማም ገድሊ ድማ ነዚ መንነት እዚ ምዕቃብ ምዃኑ። ግና’ኸ ሕሉፍ ተመክሮታት ዘግህዶ ነገር እንተሃልዩ – ማለት ቅድሚ ምምጻእ ጣልያን፣ ኣብ ግዜ ጣልያን፣ ቕድምን ድሕርን ፈደረሽን ዝነበረ ህዝባዊ ናዕብታት፣ ከምኡ’ውን ኣብ ዘበነ ምፍንጫላት ገድሊ- ሓደ ቃና ዘለዎ ሃገራዊ መንነት ተቐልቂሉ ኔሩ ክብሃል ኣይከአልን። ጀብሃ ነዚ መንነት ክህንድስ ኣይከአለን፥ ሻዕብያ’ውን ነቲ መንነት ዝምልከት ጭቅጭቅ ብምሉኡ ከምዝጭፍለቕ ጥራይ ጌሩ።

(ሐ) ሰውራ ኤርትራ ሓደ ጭቁን ሓፋሽ ኣንጻር ናይ ባዕዲ መግዛእቲ ዝተላዕለሉ ኩነተ ኹነት ከምዝኾነ። ነቲ ጉዳይ ኣጥቢቕካ ምስ ትርእዮ ግን እቲ ሓቂ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ምዃኑ እዩ ዝእምት። ገድሊ ካብ ዝብገስ ክሳብ ሕጂ ዝሓለፎም ውሽጣዊ ቑስልታት ሎሚ ንድሕሪት ተመሊስካ ዳህሳስ ምስ እተካይደሎም፡ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ከሕክሞ ዘይክእል ክልተ ናይ ፈለማ ጌጋታት ከምዘለው ትርዳእ። እቲ ሓደ ሓድነት ከረጋግጽ ዘኽ እል ገስጋሲ ራኢ ዘይብሉ ጉጅለኣዊ ባህርያትን ሰረትን ዘለዎ ጀብሃ ክኸውን ከሎ፥ በቲ ሓደ ኣብቲ እዋን ኣብ ቀጽሪ ቤት ትምህርቲ ጥራይ ተሓጺሩ ክተርፍ ዝግብ ኦ ዝነበረ፡ ሸብሮ ተባሂሉ ዝፍለጥ የዋህ ናይ ካልኣይ ደረጃ ተማሃሮ ምንቅስቓሳት እዩ። ክልቲኦም ሸነኻት ብረት ምስ ጨበጡ እዩ እምበኣር ሓደገኛ መልክዑ ክሕዝ ዝተደረኸ።

(መ) ታሪኽ ከበሳ ኤርትራ ካብ ናይ ኢትዮጵያ ፍሉይ ሙኳኑ። ምናልባት እዚ እቲ ዝዓበየ ካብቶም ኣብ ገድሊ ዝተኸሸኑ ሓሶታት ክኸውን ይኽእል። በኣንጻሩ፡ ታሪኽ ከበሳ ኤርትራ ብፍላይ ምስ ታሪክ ትግራይ ናይ ኢትዮጵያ ሓፈሻዊ ኣዝዩ ዝተወሳሰበ ኮይኑ ምስ ርክብ ዘለዎ እዩ። “ናይ ኤርትራ ፍሉይነት” ንምርግጋጽ ተባሂሉ ብገድልን፡ ከምኡ’ውን ብብዙሓት ኤርትራዊያን ሞያዊያን ስነ-ታሪኽ ዝተቃመመን ዝተኸለሰን ታሪኽ ግን ማዕረ ኽንደይ ዝኣክል ምጥምዛዛት ከምዝተገብሮ ክትዕዘብ ከለኻ ኣዝዩ እዩ ዘደንጹ።

ርዱእ እዩ፡ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቀሰ ናይ ሓባር ክሕደት ኣብ ልዕሊ ሓቐኛ ፍጻሜታት – ማለት ምስምሳት ምግባር፣ ታሪኽ ምኽላስ፣ ጽውጽዋያት ምትራኽ፣ ሓሶት ምንዛሕ፣ ምክሑሓልን ወ.ዘ.ተረፈን – ዕላማኡ ንሕና ካብቲ ከነልዕሎ ዝግባአና በዳሂ ሕቶ፡ ማለት ኤርትራዊያን እንታይ ኢና ንኸውን ዘሎና፧ ከም ህዝቢ እንታይ እዩ ወሪዱና፧ ኣበይ እዩ እቲ ጌጋና፧ እንታይ እዩ ኣብ ገድሊ ብሓፈሽኡ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ሻዕብያ ዘሎ መሰረታዊ ጸገም፧ ዝብሉ ሕቶታት ካብ ምሕታት ንኽንሃድም ተባሂሎም ዝመጹ ጽጽዋያትን ምስምሳትን እዮም። ኣብ ዝመጽእ ጽሑፈይ ነዚ ዳሕረዋይ ሕቶ ዝምልከት ክዛረበሉ እየ።

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out / Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out / Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out / Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out / Change )

Connecting to %s