ሕቡራት ሃገራት ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ኣብ ኤርትራ ረኺቡ።

Access article in English or French from OHCHR website.

ካብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ዌብሳይት ዝተወስደ ጽሑፍ።

Print

Geneva (8 June 2016)

ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት (Crimes against humanity)፡ ብዝሰፍሐን ሜላውን መልክዕ ኣብ ናይ ኤርትራ መዳጎኒ ማእከላት፡ ወተሃደራዊ መሰልጠኒ ማእከላት ከምኡ ውን ኣብ ካልኦት ቦታታት እታ ሃገር ኣብ ውሽጢ ዝሓለፋ 25 ዓመታት ተፈጺሞም፡ ብመሰረት ረቡዕ ዝተዘርግሐ ሓድሽ ጸብጻብ ናይ ሕ.ሃ. ኮምሽን ምጽራይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ።

ገበናት ባርነት፡ ማእሰርቲ፡ ግዱድ ምስዋር፡ መስቀይቲ፡ ምግፋዕ፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ቅትለትን ካልኦት ኢሰብኣዊ ተግባራትን፡ ከም ኣካል ናይ ሰፊሕን ሜላውን ወፍሪ  ኣብ ህዝቢ ራዕዲ ንምዝራእ፡ ተቓውሞ ህዝቢ ንምግታእን መወዳእትኡ ድማ ንናይ ኤርትራ ሲቪላዊ ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ንምእታውን ካብ 1991 ዓ.ም ማለት ኤርትራውያን ሰበ-ስልጣናት ቁጽጽር መሬት ኤርትራ ምስ ተረከቡ፡ ዝተፈጸሙ እዮም፡  ይብል እቲ ጸብጻብ።

ኤርትራ፡ መላኺ መንግስቲ ዘለዋ ሃገር እያ። ኣብ ኤርትራ፡ ነጻ ፈራዲ ኣካል የለን፡ ሃገራዊ ባይቶ የለን፡ ካልኦት ዲሞክራስያውያን ናይ ምሕደራ ኣካላት ውን የለዋን። ካብዚ ናይ ምሕደራን ግዝኣተ ሕግን ባዶነት ዝመንጨወ ናይ ዘይተሓታትነት ሃዋህው ድማ ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ዝተፈጸሙ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ኣኽኢሉ። “እዞም ገበናት ሎሚ ውን የጋጥሙ ኣለው፡” ኢሉ ማይክ ስሚዝ፡ ኣቦ-መንበር ኮምሽን ምጽራይ።

“ናይ ኤርትራ ስርዓተ-ፍርዲ፡ ንገበነኛታት ብርትዓውን ግሉጽን መንገዲ ተሓተትቲ ክገብሮም እዩ ዝብል ርጉጽ ተስፋ የሎን።     ፈጸምቲ እዞም ገበናት ኣብ ሕጊ ክቐርቡ ኣለዎም፡ ድምጺ ናይ ግዳያት ድማ ክስማዕ ኣለዎ። ማሕበረ-ሰብ ዓለም ሕጂ ስጉምቲ ክወስድ ይግብኦ፡ እንተላይ ንኣህጉራዊ ቤት-ፍርዲ ገበነኛታት (ICC)፡ ን ኣብ ቤት-ፍርድታት ሃገራቶም ዘለዉ ሕጋጋትን ካልኦት ኣገባባትን  ብምጥቃም፡ ተሓታትነት ናይቶም ኣብ ኤርትራ ዝፍጸሙ ዘለዉ ግፍዕታት መታን ክረጋግጽ፡” ክብል ስሚዝ ጠቒሱ።

እቲ ጸብጻብ፡  “ኤርትራውያን፡ ኣደዳ ገደብ-ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ሃውራዊ ማእሰርቲ፡ ብሰንኪ ብህሎኣዊ ገበን ኣባላት ስድራ ዝወርዱ ሕኒ-ሕነኣዊ ስጉምትታት፡ ኣድልዎ ብሰንኪ ሃይማኖትን ብሄርን፡ ጾታዊ ዓመጽን ጾታ-ዝመበገሲኦም ዓመጻትን መቕተልትን ኮይኖም ይቕጽሉ ከም ዘለዉ፡” ብተወሳኺ የብርህ።

ገደብ-ኣልቦ ፕሮግራማት ወተሃደራዊ/ሃገራዊ ኣገልግሎት ብተደጋጋሚ ብኤርትራውያን ከም ቀንዲ ጠንቂ ካብታ ሃገር ምህዳሞም ይጥቀሱ። ኣብ 2015, 47,025 ኤርትራውያን ኣብ ኤውሮፓ ዑቕባ ሓቲቶም። ብዙሓት ካብኣቶም፡ ነቲ ሓደገኛ ጉዕዞ መዲተራኒያን ብሰንኮፍ ጃልባታት፡ ብደላሎ ሰባት እንዳተመዝመዙ፡ ድሕነት ንምድላይ ዝሰገሩ እዮም።

እቲ ጸብጻብ ብምውሳኽ፡ ብ ሰነ 2015 ኣብ ዝተዘርግሐ ቀዳማይ ጸብጻብ ኮምሽን ምጽራይ ተሰኒዶም ዝነበሩ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ዝኾነ ምምሕያሽ ከም ዘይተራእየ ይምልከት።

እቲ ጸብጻብ “ፍሉያት ውልቀ-ሰባት፡ እንተላይ ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ እታ ሃገር ዝርከቡ ሰበ-ስልጣናት መንግስቲ፡ እታ ኣብ መሪሕነት ትርከብ ሰልፊ – ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን (ህ.ግ.ደ.ፍ.) – ከምኡ ውን ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ተሰከምቲ ሓላፍነት ናይቲ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ካልኦት ግሉሓት ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ምዃኖም፡” የለሊ።

እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ፡ “ቤት-ጽሕፈት ሃገራዊ ድሕነት ተሰካሚ ሓላፍነት ናይ መብዛሕኦም ጉዳያት ሃውራዊ ማእሰርቲ፡ ግዱድ ማሕዩርን መስቀይቲ ኣብ ወግዓውያንን ዘይወግዓውያንን መዳጎኒ ማእከላትን እዩ፡” ይብል።

ኮምሽን፡ ኣብ ልዕሊ ዝቑጸሩ ውልቀ-ሰባት፡ ተሰከምቲ ሓላፍነት ናይ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ምዃኖም ንምእማን ርትዓዊ ምኽንያት ዘለና፡ ጸብጻብ መርትዖ ሰኒዳ ኣላ። እቲ መርትዖ፡ ኣብ ምዱብ ግዜኡ ንዝምልከተን ኣካላት ምሕደራ ክፉት ክግበር እዩ፡ እንተላይ ንቤት-ፍርድታት ሕጊ፡ ጽኑዕ መምርሒታት ምሕላው ድሕነት ናይ መሰኻኽር ብምኽታል፥ መታን ህዝቢ ኤርትራ ፍትሒ ከም ዝረክብ ንምርግጋጽ።

መሰረት እቶም ኣብዚ ጸብጻብ ተገሊጾም ዘለዉ ኣገባባት ኣካይዳ፡ 833 ቃለ-ምስክርነታት ብኤርትራውያን ከምኡ ውን 160 ጽሑፋት ደብዳቤታት፡ ኣብ ቀዳማይ ገጽ ስራሕ ኮምሽን ምጽራይ፡ ካብ ፍርቂ-2014 ክሳዕ ፍርቂ-2015፡ ዝተቐበልናዮም እዮም።

ኮምሽን፡ ካልኣይ መርመራኣ እናካየደት ኣስታት 45,000 ደብዳቤታት ተቐቢላ። ዝበዝሑ ካብዚኦም፡ ንናይ ኮምሽን ቀዳማይ ጸብጻብ ዝነቕፉ ብእኩብ ዝተጻሕፉ ደብዳቤታትን ጥርዓናትን እዮም።

እዞም ደብዳቤታት፡ ሓባራዊ ቴማታትን ተመሳሳሊ ትሕዝቶን ዘለዎም ኮይኖም፡ ቀጥታዊ ውጽኢት ናይ ብመንግስቲ ዝተጠርነፈ ነቲ ምጽራይ ንምጽላም ዝዓለመ ዘመተ እዮም። ዝተማልአ ትንተና እዞም ደብዳቤታት ድሕሪ ምክያድ፡ ኮምሽን፡ ንመርመራታታ ዝምልከት ጭቡጥ ሓበሬታ ከም ዘይምልኡ ደምዲማ።

እቲ ጸብጻብ፡ “እቲ ኣብ ኤርትራ ሳሕቲ ንዝበጽሕን ነቶም ኣብ ክፋላት እታ ርእሰ-ከተማ ዝተሓጽሩን ብግህዶ ዝረኣይ ግዳማዊ መልክዕ ህድኣትን ንቡርነትን፡ ምስቶም ብቐጻልነት ዝረኣዩ ከበድቲ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ዝገራጮ እዩ፡” ይብል።

እቲ ጸብጻብ ብምቕጻል፡ “እቶም ብ ኮምሽን ተሰኒዶም ዘለዉ ኣብ ኤርትራ ዝተፈጸሙ ዓይነታት ግሉሕ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት … ኣብ ጽርግያታት ኣስመራ ኣይኮኑን ዝፍጸሙ፡ እንታይ ደኣ? ኣብ ድሕሪ ሽፋን መናድቕ መዳጎኒ ማእከላትን ወተሃደራዊ መሰልጠኒ ማእከላትን። መስቀይትን ጾታዊ ዓመጽን ከም ንቡር ኣብ ክፉት ዝፍጸሙ ገበናት ኣይኮኑን፡” ይብል።

ሽሕ’ኳ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ሕቶ እንተቕረበት፡ ኮምሽን ናብ ኤርትራ ንኽትኣቱ ፍቓድ ኣይረኸበትን። ኮምሽን፡ ናብ ኤርትራ በጺሓ ዝደሓረ ርኽበታታን ርእይቶታታን ብቐጥታ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ከተቕርብ ድልውነታ ተረጋግጽ።

ተፈጸመ

ሓደሽቲ ስውኣት ፦ መንግቲ ኣብ ማእከል ኣስመራ ሰብ ይቐትል

ዝሓለፈ ሰንበት፡ 3 ሚያዝያ፡ መንግስትና ካብ ኣገልሎት (ግዱድ ዕስክና) ከምልጡ ኢሎም ካብ ተሰቒሎመን ዝነበሩ ናይጽዕነት መኪና ዘሊሎም ክሃድሙ ንዝፈተኑ መንእሰያት፡ ከምቲ ኣብ ዶባት ኤርትራ ዝገብርዎ፡ ብብረት ተኩሶም ሰብ ከም ዝጎድኡን፡ ካብቶም ዝተጎድኡ ድማ ዝሞቱ ከምዘለው ውን ብዝተፈላለየ ምንጭታት ክንገር ቀንዩ።

ጋዜጠኛ ማርቲን ፕላውት፡ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ብዝረኸቦ ሓበሬታ  መሰረት፡ ክሳዕ ሕጂ ዝተፈልጠ 29 ሰባት ከም ዝጎድኡ፡ ካብኣቶም ሽዱሽተ ብቕጽበት ክሞቱ ከለዉ ካልኦት 5 ድማ ኣብ ሕክምና ከምዝሞቱ፣ እቶም ዝተረፉ ድማ ኣብ ‘ሆስፒታል’፡ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሓለዋ ከምዘለዉ ሓቢሩ። ማርቲን ኣብ ጽሑፉ ናይቶም ዝሞቱ ናይ ኩሎም ኣስማት ኣለኒ፡ ቤተሰብ ክሳዕ ዘይተርኡ ግና፡ ናይቶም ቤተሰቦም ዝተረድኡ ጥራይ ክነግርየ ብምባል ናይ ክልተ መንነት ገሊጹ፡ ንሳቶም ድማ፦

  1. ጨዓይ ሃብተስላሴ ገብረመስቀል — ኣብኡ፡ ኣቶ ሃብተስላሴ፡ ኣብ ዓዲ ጓዕዳድ ዝቕመጡ ናይ እንዳ ዓለባ ሰራሕተኛ ‘ዮም።
  2. ያፍየት ፍስሃየ መንገሻ — ኣብኡ ኣቶ ፍስሃየ ኣብ ማይተመናይ ዝቕመጡ ኮይኖም ምስ መጎዓዝያ ዝተተሓሓዘ ስራሕ ‘ዮም ዝሰርሑ።

እዞም ክልተ መወትቲ ካብቶም ክሃድሙ ክብሉ ዝተቐትሉ ኣይኮኑን፡ ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብቲ ከባቢ ስለ ዝነበሩ ዝተለከሙ ግለሰባትዮም።

ካብቶም ተጎዲኦም ኣብ ሕክምና ዘለው 18 ሰባት ድማ፡ ናይ 10 ሰባት ኣስማቶም ከምዚ ዝስዕብ ይዝርዝር፦

  1. ዳዊት ሚካኤል
  2. ኣብራሃም ፍሰሃ
  3. ሃብቶም ግርማይ
  4. መድሃኔ ገብረመድህን
  5. ቢንያም ዘርኣይ
  6. ዮናስ ጠዓመ
  7. ሰዓረ ወልዳይ
  8. ዮናታን ዓንደሚካኤል
  9. ባሲልዮስ ዘምህረት
  10. ሳሙኤል ተክኤ

ናብቲ ኣርእስቲ ጽሑፈይ ክመለስ፡ መንግስትና ነቶም ብግፍዒ ዝቐተሎም ግለሰባት “ስውኣት” ብምባል’ዩ ክጽውዖም፡ እዚ ድማ’ዩ ዝገርም ነገር። ብመሰረት መንግስትና ነቶም ግዳያቶ “ስውኣት” ይብሎም፡ ከም ኡ ድማ ነቶም ምስ መንግስቲ ኮይኖም ሰብ ዝቐትሉ ኣብ ዝሞቱላ መ ዓልቲ “ስውኣት” ይብሎም። ቀታሊን ተቐታልን ስው ኣት ዮም። ዘስደምም።

እዚ ድሕሪ ሞትካ ዝወሃብ ናይ “መስዋእቲ” ሽመት፡ ንመንግስትና ኣዝዩ ‘ዩ ዝጠቕሞ። ማለት ቤተሰብ ግዳያት-መንግስቲ፡ ወገኖም ከም ገበነኛ፡ ከም ሓደ ዓማጺ ሰብ ብኢድ መንግስቲ ተቐቲሉ ክነሱ፣ መንግስትና ብወገኑ፡ ብዘዕባ’ቲ ዝቐተልዎ ከም ሓደ ምስ ኦም ዝነበረ፡ ከም መሳርሕቶም ቆጺሮም “ስውእ” ይብልዎ። በዚ ኸምዚ፡ ነቲ ክፉእ ስርሖምን ነቲ ብከንቱ ዝጠፍኤ ህይወትን ከነኣእስዎ ይሕግዞም። ወረ ምንእኣስ ጥራይ ኣይኮነን፡ “ጅግና”፡ “ሓበን”፡ ወዘተረፈ ቃላት ኢናተጠቀሙ… ካብኡ ሓሊፉምውን “ ሕድሪ ሰማእታት” እናበሉ ነቲ ዝገበርዎ ገበን ምንእኣሱ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ካብኡ ሓሊፎም ንዕኦምሓደ ጠቓሚ ባእታ ገይሮምዎ ‘ዮም። በዚ መሰረት ሓደ ዓሰርተ ወይ ዕስራ ‘ስውኣት’ እንተወሰኹ፡ ንመንግስትና ይጠቕሞም እምበር ኣይጎድኦ ምንይ’ዩ።

Martyrs

ዐሰርቱ ትእዛዛት ሻዕብያ

  1. ካብ መግዛእቲ ዘውጻእኩኻ፡ ኣነ ኣምላኽካ እየ። ኣብ ቅድመይ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይሀልዉኻ።
  2. ፓርቲ ዘበለን ንርእስኻ ኣይትግበር። ብዝኾነ ምኽንያት ኣይትጠርነፍ፡ ኣይትተኣከብ።
  3. ስም ስውኣት ብኸንቱ ኣይተልዕል።
  4. ሃገራዊ ብዓላት ንኸተብዕል ሐልወን። ሰለስተን-ስሳን-ሰለስተን መዓልቲ ዕየ፣ ብዘይ ደሞዝ፣ ንሃገራዊ ብዓላት ግና ብሓጎስን ብጭፈራን ዘክረን።
  5. ኣብታ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕ፡ ንሹማምንቲኻ ኣኽብር።
  6. ኣይትቕተል። እንተድልዩ ትሕቲ ብርኪ ተኩስ።
  7. ኣይትዘሙ። በዓል ስልጣን ኣይኮንካን።
  8. ኣይትስረቕ። ኩሉ ሃብቲን እታ መርየትን ንመንግስቲ እተቐደሰ’ዩ።
  9. ብሓሶት ኣይትመስክር። ናይ መርመራ ግዜ ከይናውሓካ።
  10. ዘይናትካ ዕረፍትን ሰላምን ኣይትመነ። ትምኒት ናይ ስግረዶብ ሓሳብ ትዘርእ እያ።

333

ኣውሊዐይ ናበይ ከይዳ? — ስግረዶብ ይጥርጠር።

eri_flag2

ኣውሊዐይ ናበይ ከይዳ?

እታ እንኮ ሓላፍነታ ኣብ ማእከል ባንዴራና ምህላው ዝኾነ ቆጽሊ ኣውሊዐይ፡ ቅንያቱ ንስራሕ ከም ዘይተቐልቀለት ተፈሊጡ። ሃገራዊ ግቡኣ ጠንጢና ብስግረዶብ ተሸሪባ ከይትኸውን ይጥርጠር።

ኣውሊዐይ ንኹላቶም ባእታታት ባንዴራ ኤርትራ ትቕድሞም እያ፣ ብግድምና ። እቶም ካብ ፈለማ 1950ታት ጀሚሮም ዝፈልጥዋ ከምዚ ናይ ሎሚ ብጫ ካይኮነት’ዮም ዝዝክርዋ።

ወግዓዊ መዝገባት መንግስቲ ኤርትራ ንጉዳይ ምቅይያር ሕብሪ ኣውሊዐይ ኣመልኪቶም ዝህብዎ መብርሂ የልቦን፡ ይኹን ምበር ገለገለ ሰባት ሕብራ ዝቐየረት ኣንጻር ውልቀመላኽነት ተቓውሞ’ዩ ዝብሉ ኣለው (ኣነ)። ብምረት’ያ ቐምሲላ እምበር ሕብራ ኣይቀየረትን ዝብሉ ውን ኣለዉ። እዚ ኾይኑ እቲ፡ ኣውሊዐይ ነዚ ሎሚ ዝቐምሰለ ተስፋ ኤርትራውያን ብግቡእ ትለብሶ።

proportions

ሓደ ርብዒ መርየት ሓደ ርብዒ ባሕሪ፡ ክንዲ ክልቲኡ ዝከውን ዝፈሰሰ ደም።

ሓንሳብ ሓንሳብ ባንዴራና ትንቢታዊ መልእኽቲ ዝሓዘለት ኮይኑ ይስመዓኒ። ከምቲ ኣብ እዋን ስትራተጂካዊ ምዝላቕ፡ ኣብ 70ታት ኮይኖም ንናጽነት ዝተነበይዎ፡ ከምኡ ደኣ ኣብ 90ታት ኮይኖም ንሎሚ ተነብዮምልና ከይኮኑ? ሓደ ርብዒ ቆጽለዋይ (ሕርሻዊ መርየት)፡ ሓደ ርብዒ ሰመያዊ (ባሕሪና)፡ ክንዲ ክልቲኡ ዝኸውን ድማ ቀይሕ ፍሳስ ደም ኤርትራውያን።

ወረ እቲ ቆጽለዋይ ሕብራሲ፡ እቲ ኩሉ ኤርትራዊ ዝምነዮ ልሙዕ መርየት ኤውሮጳ ደኣ ኸይከውን? እቲ ሰመያዊ  ከኣ ነቲ ናብ ልሙዕ መርየት ክንበጽሕ ክንሰግሮ ዘሎና ባሕሪ መመልከተ። ኣብ ፈተነ ስግረዶብ ዝፈሰሰ ደም ውን ኣይወሓደን። ተነብዮምልና ብሓቂ።

Eritrean Official flag

ወግዓዊ ባንዴራ ኤርትራ (ካብ ፋይል)

 

ሸለል ብምባል ርዝነትና ንሓሉ።

ምርሳን (trolling) ኣብ ኤርትራውያን፡ ኣብ መንጎ ደለይቲ ፍትሕን ደገፍቲ መንግስትን፡ ጥራይ ዝተወሰነ ተርእዮ ኣይኮነን። ይኹን ደኣ እንበር ናይ ኢንተርነት ምርሳን፡ ንቑነገርን ርዝነትን ምይይጥ ኤርትራውያን ደለይቲ-ፍትሒ ሃስይዎ እዩ።

ናይ ኢንተርነት መራሰንቲ፣ ሰባት ኣብ ዝመያየጡሉን ሓበሬታ ኣብ ዝቀያየሩሉን ናይ ኢንተርነት ገጻት ኮነ ኢሎም ኣነዳሪን ኣረሳሳኒን ጽሑፍ ብምጽሓፍ ታዕታዕን ዕግርግርን ይፈጥሩ። ብዛዕባዞም ናይ ኢንተርነት ‘መራሰንቲ’ (trolls) ክሓስብ ከለኹ እታ፡ “ከምቲ ድዅዕን ማይን ንዘራእቲ፣ ምምልላስ ን ኢንተርነት መራሰንቲ።” እትብል ናይ ጥንቲ ምስላ እያ ትዝ ትብለኒ።

ናይ ኢንተርነት መራሰንቲ ንኽዕወቱ ዘድልዮም ቀንዲ ባእታ፡ ነቲ መራሰኒ ጽሑፎም ከተንብበሎም፡ ካብኡ ሓሊፍካ ድማ መልሲ ክትህቦም እዩ። ንኣንባቢ ከቖጥዕ ኢሎም ዝጸሓፍዎ ርእይቶ: ከም ዘየለ ሸለል ምባሉ ንመራሰንቲ ዝዓበየ ጽፍዒት እዩ::

ነቶም “ኢሳይያስ ወይ ሞት፡” እናበሉ እግርእግርና ኣብ ኢንተርነት፡ ኣብ ፌስ-ቡክ፡ መራሰኒ ርእይቶ ዝጽሕፉልና ክንምልሰሎምን ክንመላለሶምን፣ ነቲ ዘለፍኦም ብዘለፋ፡ ንባጭኦም ከኣ ብባጫ ዓጸፋ ክንምልሰሎም ጥበብ ኣይኮነን። ንሓንቲ ኣሻኹ ተኽሊ በብመዓልቱ ማይ እንተኣስተኻያን እንተኾስኮስካያን፡ መመሊሳ ትዓቢ ኢምበር ኣይትቕምስልን’ያ። መራሰንቲ ምእንቲ ክቕምስሉ ነቲ መራሰኒ ጽሑፋቶም ሸለል ንበሎ።

ን መራሰንቲ ዝዓበየ ጉስጢ ሸለል ምባሎም እዩ::

ን መራሰንቲ ዝዓበየ ጉስጢ ሸለል ምባሎም እዩ::

ተጋዳላይ–ሲቪል:- ናይ ኤርትራ ኣፓርታይድ

ኣብ ኤርትራ ተጋደልቲ ናይ በይኖም ዓሌት ኣይኮኑን። ከምኡ ድማ ንሕና ሲቪል ዜጋታት ዓሌት ኣይኮንናን። ይኹን ደኣ እምበር ብመንጽር መንግስቲ ኤርትራ ተጋዳላይን ሲቪልን ክልተ ዝተፈላልዩ ደረጃታት ዜግነት እዮም። ነዚ ኣብ ሃገርና ንቡር ኮይኑ ዘሎ ኣፋላላይ ቀው ኢልና ምስ እነስተውዕሎ፣ ብብዙሕ መዳያቱ ምስ ስርዓት ኣፓርታይድ ይመሳሰል’ዩ።

ብዘመነ ኣፓርታይድ: ኣብ ደቡብ-ኣፍሪቃ: ጸዕዳ ምዃን ምንም ገበን የብሉን። ገበነኛስ እቲ ንጸዕዳ ደቡብ-ኣፍሪቃዊ ልዕሊ ጸሊም ደቡብ-ኣፍሪቃዊ ጌሩ ዝቖጽር ፈላላዩ ሕገ መንግስቲ እዩ።

ብዘመነ ኣፓርታይድ: ጸዕዳ ደቡብ-ኣፍሪቃዊ ምዃን ዓወትን ሃብትን፣ ወይ ድማ ካብ መንግስቲ ፍሉይ ክብረት፣ ፍሉይ ምትሕብባርን ሓገዝን ግድን የውህበካ ማለት ኣይኮነን። አረ ብዙሓት መደንገጽ ጸዓዱ ደቡብ-ኣፍሪቃውያን ነይሮምዮም። ብዙሓት ድኻታት ጸዓዱ ኔሮም: ብዙሓት ውጹዓት ጸዓዱ ኔሮም። እዚ ማለት ግን ኣፓርታይድ ኣይነበረን፣ ወይውን እቲ ስርዓት ኣፓርታይድ ድኹም’ዩ ኔሩ ማለት ኣትይኮነን።

ብተመሳሳሊ ኣብ ሃገርና ሎሚ: ብዙሓት ዘይጠዓሞም፣ መደንገጽ፣ ተጋደልቲ ኣለዉና። ኩሎም ተጋደልቲ ኣብ ስልጣን ዘይምህላዎም፣ ወይ ውን ኩሎም ተጋደልቲ ጥዒምዎም ዘይምህላዉ ምልክት ድኽመት “ኣፓርታይድ” ኣብ ኤርትራ ክኸውን ኣይክእልንዩ።

ብመንጽሩ ግና: ሓደኳ ሲቪል በዓል ስልጣን ዘይምህላዉ ንህላወ “ኣፓርታይድ” ኣብ ኤርትራ የርእየና። ኣብ ኤርትራ: ኩሉ ዝርኤ ስልጣናት (ከምኒ ኣመሓዳሪ፣ ሚኒስተር፣ ኣምባሳደር)፣ ከምኡ’ውን ኩሉ ‘ዘይርኤ’ ስልጣናት (ብድሕረ መድረክ ኣብ’ቲ ውልቀ-ምልኪ ጽልዋ ዘለዎም፣ ወይ ከኣ ዘተግብሩ) ብ ተጋደልቲ እዩ። እዚ “ኣፓርታይድ” ወለዶ ውን ይሰግርን እናሰገረን እዩ። ንኣብነት ነቲ መንግስቲ ልዕል ዝበለ ተኣማንነንት (loyalty) የድልዮ ንዝበሎ ናይ ወተሃደር-ነፋሪት ምብራር (ፓይሎት) ናይ ትምህርቲ ዕድል ንሲቪል መንእሰይ በጭራሽ ኣይወሃብን።

ከምቲ ኣቀዲመ ዝበልክዎ: ብዘመነ ኣፓርታይድ: ኣብ ደቡብ-ኣፍሪቃ ጸዕዳ ምዃን ምንም ገበን የብሉን። ግናኸ ጸዕዳ ደቡብ-ኣፍሪቃዊ ኮንካ ብኣካይዳ ኣፓርታይድ ዘይምጉሃይ፣ ዘይ-ጸዓዱ ዜጋታት ክግፉዑ ርኢኻ “ዓገብ” ዘይምባል፣ ብፍላይ ይብደሉ ምህላዎም ዘይምእማን፣ ወዘተ. ተኻፋሊ ወይውን ተጠቃሚ ግፍዒ ኣፓርታይድ ይገብረካ እዩ።

ተጋዳላይ፣ ወዲ-ተጋዳላይ ወይ ውን ዕባይ ቤት-ትምህርቲ-ሰውራ ምዃን ገበን የብሉን። የግዳስ ብግብርካ ወይ ውን ብዘይ ምግባርካ: ብ ስቕታኻ: ተኻፋሊ “ኣፓርታይድ”፣ ወይ ከኣ ተጠቃሚ ግፍዒ “ኣፓርታይድ” ኣብ ኤርትራ ክትከውን ኣዝዩ ዝከኣልዩ።

 

Eritrean president and  high ranking officials at Independence Day celebration in Asmara May 24, 2007.

Eritrean president and high ranking officials at Independence Day celebration in Asmara May 24, 2007. All high ranking government officials are former soldiers of the EPLF group.

———————
ነዚ ኣብ ሃገርና ንቡር ዝኾነ ተጋዳላይ–ሲቪል ምፍልላይ ዜጋታት: “ኣፓርታይድ” ክትብሎ: ቃልብቓሉ ቅኑዕ ኣጸዋውዓ ኣይከውንን። ኣፓርታይድ (Apartheid) ዝብል ቃል ቀንዲ መቦቆሉ ካብቲ ኣብ ኣብ ደቡብ-ኣፍሪቃ ካብ 1948 ክሳዕ 1990 ዝነበረ: ማዕርነት ጸዓዱን ጸለምትን ዜጋታት ዘየኽብር ሕገ መንግስቲ እዩ። ካብዚ ዝነቐለ ድማ ሎሚ ሓደ ምምሕዳር ኣብ መንጎ ዜጋታት ሃገሩ: ዓሌታዊ ኣፈላላይ ምስ ዝገብር “ኣፓርታይድ” ብዝብል ንገልጾ።

The Best Dissident Diaries of the Year

As we welcome 2015, a brief look at the most read and most shared posts of 2014.

1. “Concentration camps of Israel” – Eritrean President

IA_concentration_camp

2.  They too have their story–Desiderata

3. ተቐማጦ ኣስመራ ብ ወተሃደራት ዴ.ም.ህ.ት ንዝተገብረሎም ኣገልግሎት ኣመስጊኖም::

Capture2

Continue reading

We speak therefore we are –Republic no.2

A monthly underground newsletter from inside Eritrea has it’s second issue. Republic, written in Tigrinya language, is critical of the government. Criticizing the government or it’s policies is a crime in Eritrea.
You can download this new issue from here (Repuplic_Eritrea_Vol2).

Click image to download Republic in PDF

Click image to download Republic in PDF

You can follow Republic newsletter on twitter.

ኣይፋልኩምን ዴምህት!

“መንቀሳቐሲ!”
መዓልካ ከይበለ ንዝዘንጠለካ ጓና
ኮር ተገምጠል’ዩ ክንድዚ መሽክንክን ልመና፣
አብ ዝደበነ ገጹ ፍሽኽታ ሰዅዑ
ውሪሕሪሕ ቁሊሕሊሕ፣ የማነጸጋም ጥቕኡ።

… ተገፋፊ

ከም ከፍቲ ናብ ዕዳጋ፣ ዝውሰዱ ናብ ማሕረዲ
ኮብኪቦም ይወስድዎም ነቶም ግዳያት መዓልቲ፣
ብዘይ ፈሪሃ ‘ዝግሄር፣ ብዘይ ንሕስያ
አሕሊፎም ሃብዎም ካን ን ሻዕብያ።

… ወተሃደራት ዴ.ም.ህ.ት.