ዝተመላኽዐ ዛንታ ገድሊ (ብ ዮሴፍ ገብሪሂወት)

__________________________
እዛ ጽሕፍቲ ትርጉም ናይታ “Romanticizing Ghedli (I)” ዘርእስታ ብዮሴፍ ገብሪሂወት ተጻሒፋ፡ ብ 12 መጋቢት 2008 ኣብ መርባእብ ሓበሬታ ኣስማሪኖ ዳት ኮም ዝተዘርግሐት ጽሕፍቲ እያ። ናብ ቛንቛ ትግርኛ ብ ኣዳለውቲ ጋዜጣ መሰለይ ተተርጒማ፡ “ምቅንጃው ገድሊ” ብዝብል ኣርእስቲ ከኣ ኣብ 2008 ተዘርጊሓ ኔራ። ንምርዳእ ይሕግዝ ብዝብል ገለገለ ናይኣተረጋጉማ ምትዕርራያት ገይረ ኣቅሪበያ ኣለኹ። 
_________________________________________

“ገድሊ”

ሓደ ካብቲ ቀንዲ ንህዝብና ኣጋጢምዎ ዘሎ ጸገማት፡ ተቐናጅዩ [ካብ መጠን ንላዕሊ ተመላኺዑ] ዝቐርብ ዛንታ ገድሊ ኤርትራ እዩ፥ መብዝሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ተጋኒኑን ተመላኺዑን ዝቐረበ ዛንታ ክርሕርሖ ፍቓደኛ ኣይኮነን። ምቕንጃው [ብሓሶት ዝተመላኽዐ ታሪኽ] ንሃገር ክቀትል ይኽእል’ዩ እንተ ኢልና፡ ከምዚ ናይ ኤርትራ እዩ። እዚ ሎሚ አብ ጉዳይ ሃገርና ንዕዘቦ ዘሎና ሓንቲ ሃገር ንሓደ ስነ-ሓሳብ ከተጥፍኦ እንከላ ኣይኮነን (ከምዚ እንተዝኸውን ምሓሸ ኔሩ)፥ እንታይ ደኣ ሓደ ስነ-ሓሳብ ንሓንቲ ሃገር ከጥፍኣ እንከሎ እዩ።

ገድሊን እቲ ምስኡ ተተሓሒዙ ዝኸይድ ናውትን ሓዊስካ፡ ነቲ ንነዊሕ እዋን ኣብ እንግድዑ ጾይርዎ ዝጸንሐ ህዝቢ ከቢዱዎስ፡ ኣብ ክጻወሮ ዘይክእል ደረጃ በጺሑ ይርከብ። እዚ ባዕልና ዝፈጠርናዮ ኣውሬ፡ ሃርጋፍ ሸውሃት ስለዘጥረየ፡ ሸውሃቱ ንምርዋይን ቀጻልነቱ ንምርግጋጽን ነባሪ ዝኾነ ናይ “መስዋእቲ” ባህሊ ክፍጠር ኣድልይዎ። ንሓደ ንጹር ዘይኮነ፡ ደብዛዝን ኣካራኻሪን ሕልሚ ንምውሓስ፡ በዚ ጸይቀ-ግኑን ኣውሬ ሓደ ወለዶ ድሕሪ እቲ ሓደ ክብልዑን ክሃልቑን ኣለዎም። ሎሚ ኣብዚ ናይ መወዳእታ ዕምሩ ድማ፡ ንመላእ ሃገር ንኸጽንት ኣብ ምውጥዋጥ ይርከብ። ሻዕብያ ክመውት እንተኾይኑ፡ ሃገር ድማ ምስኡ ከም እትመውት ኣቀዲሙ ወሲኑ’ዩ። ዛጊት ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ክንዲ ነቲ ናይ ሃገር ሱር ሕማሞም ኮይኑ ዘሎ “ገድሊ” ምምራር፣ ገድሊ ድኣ ኣይኹን እምበር ንዝኾነ ካልእ ነገር ክውንጅሉን ሓላፍነት ከሰክሙን ይመርጹ።

እቲ ኣዝዩ ዝገርመኒ ነገር፡ ኣብ ዝኾነ ይኹን ጉዳይ ሃገር ቅንጣብ እኳ ክሰማምዑ ዘይክእሉ ወገናት ከይተረፈ፡ ሓደ ዘሰማምዖም ነገር እንተሎ፡ እቲ ተመላኺዑ ዘሎ ዛንታ ገድሊ እዩ። ዝተመላኽዐ ዛንታ ገድሊ ማለት፡ ንገድሊ ጸጽቡቑ ካብ መጠን ንላዕሊ ምግናን፥ ነቲ ገግናዩ ከኣ ምንእኣስን ከምዘይነበረ ምኽሓድን እዩ። Continue reading