መራሕቲ ሃይማኖት ኤርትራ ብዝዕባ መንእሰያት ኤርትራ::

ዝኽሪ ነቶም አብ ሓደጋ ላምፐዱሳን አብ ተመሳሳሊ ሓደጋ ባሕሪ ኢጣልያን ዝሃለቑ ግዳያት ስነስርዓት ዝኽሪ አብ ዝተፈላልየ ከተማታት (ብጀካ ኣብ ኤርትራ ማለት’ዩ) ክካየድ ቀንዩ:: እዚ ዝስዕብ አብ ማንቸስተር ብ ምትሕብባር ሕብረት EYSNS.G ዝተገረ ስነስርዓት ዝኽሪ እዩ::

መንግስቲ ኤርትራ ን ሃይማኖታት ኤርትራ (ብኣጸዋውዓ መንግስትና “ሃይማኖታዊ ትካላት”) አፍ ክዓብስ ካብ ዝብል ነዊሕ ኮይኑ’ዩ:: ንኹሉ ተግባራት መንግስቲ “ፓለቲካ” ብምባል ሃይማኖታውያን መራሕትና አብ መሰረታዊ ጉዳያት ሕብረተሰብ ከይተረፈ ናይ ምስታፍ መሰል ክኽልክል ጸኒሑን ክሳዕ ሕጂ ብዓወት ተሳትፎ ሃይማኖታውያን መራሕቲ አብ ሕብረተሰብና ይኽልክልን አሎ (ብዛዕባዚ አስፍሕ አቢለ ጽሒፈ ኔረ):: ናይዚ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝግበር ዘሎ ገበን ሓደ መርኣያ እቶም ነንመዓልቱ ዝኣስሮም ዘሎ መራሕቲ ሃይማኖት እዮም::

ገለ ሒደት ካብቶም ብእምነቶም መንግስቲ ኤርትራ ዝኣሰሮም እሱራት:-

ገለ ካብ እሱራት ኤርትራ

ገለ ካብ እሱራት ኤርትራ

እዚ ዝርዝር ብኸፊል ናይቶም ልእሊ 3,000 ብእምነቶም ጥራይ ዝተኣስሩ እሱራት’ዩ:: ንዝያዳ ሓበሪታ Eritrean Human Rights Electronic Archive ምውካስ ይከኣል::

______________________________

እዚ ከምዚ’ሉ ኸሎ: እቲ ኩሉ ነገር ዝሕድሶም ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ መራሕቲ ሃይማኖት አብ ስነስርዓት ዝኽሪ ግዳያት ላምፐዱዛ ብዝገበሮ “ዓገብ ንበሎም” ዝሕመረቱ ዘረባ ተቖጢዖም “ሃይማኖት ግዳይ ፕለቲካ” ብምባል ይግረሙ ይርከቡ::

"ንምንታይ መንእሰያት ካብ ዓዶም ይሃድሙ ዝብል ሕቶ ጉዳይ መራሕቲ ሃይማኖት አይኮነን: ብመራሕቲ ሃይማኖት ክለዓል 'ውን የብሉን!!" (ድኹም ኣተሓሳስባ መንግስቲ ኤርትራን ደገፍቱን)

“ንምንታይ መንእሰያት ካብ ዓዶም ይሃድሙ ዝብል ሕቶ ጉዳይ መራሕቲ ሃይማኖት አይኮነን: ብመራሕቲ ሃይማኖት ክለዓል ‘ውን የብሉን!!” (ድኹም ኣተሓሳስባ መንግስቲ ኤርትራን ደገፍቱን)

መሳኪን ደገፍቲ መንግስቲ: ምናልባት ከምቲ ቲቨ-ኤረ ብዛዕባ ግዳያት ላምፐዱዛ ዝበለቶ “ዘይሕጋውያን ስደተኛታት” ስለዘይበሎም’ዶ ይኸውን? ዋላስ ብልቦም ተስደሚሞም ይኾኑ?

4 thoughts on “መራሕቲ ሃይማኖት ኤርትራ ብዝዕባ መንእሰያት ኤርትራ::

  1. Haymonatna no merahti teasiroma sle wtsie hzba ktzerebn ageb ktbln qal qudus metshaf iu.hzba ena tefee tm tbl ente koyna dea entay iya srha.ngus dawit ms bedele ab lieli hzbi israel amlak nyonotan aflto gegueu kemzbelo nriei ina.potica mzrab ke menfesawi kab mukan do yklkl iu.eti menfesawi iye zbl bezi polotica mhdera do aykonen zmahader.emo ke dea bezi zmahader kab kone polotica kzareb yeblun ktbl do tkiel.no merhati haymanot baelu eti fetari keman abti polotca alo.nisraelawyan kewagueom enkelo fetari polotica do aykonen znebere.manm wedi seb ksab abza alem zelo kea kab polotica wetsaei znebr yelen.polotica kea bqunue megedi ktmahaderlu tkiel ika.b alutawi ewn.

    Like

  2. likie eyu merhahi haimanot kidimihigi polotica ayzarebin eye sile zibele teasiru mish tiblu nerkum hiji tegemtilka entay eka kitibil delika polotica kizarebu kemti nay kidimi hiji zesero mikinyat dea heray tselotom zeygebru kemeziom zibelu ab nay balege zereba zihwututu merhati haymanot elka mizirabka win hade zehezin kalatka eyu .merahi haimanot mexehaf kudus eya dawitu kale ab beleaka lekaka zizareb gin kab eritrean othiodos tewahido aykonen kikewin entekoinu dima kemti kedamay ziteasire misteaseru ena nay behaki orthidox mezmur kinbli ena .intenatika gin azaribaka nay behaki zedemim eyu neti ab eritrea zinebere polotica yikun zikone alemawi ayzarebin eye silezibel teasiru tibil nerka haku indabelka win atakieka lomi gin abti natka mesmer misleflefu tehagiska hakey nay behaki mikin eka tiray eye kibleka zikiel mikiniyatu nisika silefitihi zeykoinka tizareb zelekas sile haki shefinka eka seb tihwilil zelka ezi dima kulu eritreawi ab giziu kihitet nmshetu yetsebikelina tirah eyu zibehal

    Like

    • ዝተኸበርካ/ኪ ጸሓፊ ርእይቶ:-
      ከም ኣጸሓሕፋኻ: መራሒ ሃይማኖት (ብፍላይ ድማ ናይ ተዋህዶ ካህን) ዳዊት ካብ ምንባብ ሓሊፉ አብ ሕብረተሰብ ምንም ዝረብሕ አስተዋጽኦ ክህልዎ የብሉን: ትብል ዘለኻ ይመስል:: እዚ አዝዩ ድኹም አተሓሳስባ ይመስለኒ::

      ብመሰረቱ መራሒ ሃማኖት ልኽዕ ከም ጎይትኡ: ንገፋዕ ዓገብ ክብል: ሰላምን ዕርቅን ክምሕጸን መሰሉ: ካብኡ ሓሊፉ’ውን ግቡኡ ይመስለኒ:: ንሓጥእ ምግሳጽን ምምዓድን ድማ ነቲ ምስኪን ግዙእ ሕዝቢ ጥራይ ዘይኮነስ እንሓንሳብ ናብ ገዛእትን መራሕትን ውን ከቕንዕ ባህርያዊ’ዩ::

      እዚ ኮይኑ እቲ: አብ ጉዳይ ሞት ናይዞም ልዕሊ 300 ዝኾኑ ኣሕዋትናን አሓትናን እንተመጺና:: ካህናትን ካልኦት መራሕቲ ሃይማኖትን ክዛረቡን ክምዕዱን ግድን እዩ:: ኣብ ከምዚ ዓቢ ጉዳይ ስቕ ክብሉ ኢልና ክንሓስቦውን የብልናን:: እቲ ቀንዲ ጉዳይ ግን እንታይ ኢሎም ይዛረቡ ‘ዩ::

      አብዚ መራሕቲ ሃይማኖት ክልተ ምርጫ አለዎም:- ወይ: “አቱም ደቕና: ኣማሪካ ከስግረኩም ክትብለኩም ከላ አይትስምዕዋ::” ኢሎም ንህዝቢ ክምዕዱ ‘ዮም:: ወይ ድማ ከምቲ አብዛ ቨድዮ ዘሎ “ህዝብና መሪርዎ: መናእሰይና ተገፊዖም:” ክብሉ እዮም::

      ሰብ እናተገፍዔ: መንእሰይን ህጻናት ቆልዑን: ሓለንጊ መግዛእቲ መሪርዎም: ንህይወቶም ቀቢጾም ስግረዶብ ክፍትኑ…. ቤተ ክርስትያን አብዚ ከምዚ ዝበለ ጉዳይ እንተዘይ ተዛሪባ’ሞ ደሃይ መጓሰኣ የብላን ማለት’ዩ::

      አምላኽ ኣእምሮኻ/ኺ ይኽፈተልካ/ኪ::

      Like

Leave a comment