ይገርመናሎ፦ ኣብ ደገ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ይግረሙ::

ፕረዚደንት ኢሳይያስ አፈወርቂ ብዛዕባ ምሕደራ ኤርትራ አመልኪቱ ብዝሃቦ ርእይቶ ብዙሓት ግዱሳት ኤርትራውያን ይግረሙ፦ “ዴሞክራሲ ዘይ-ዴሞክራሲ: ብዙሕነት ናይ ሰልፍታት:… ከምኡታት ዝበሃል ምህውታት አብዛ ሃገር ክመጽእ’ዩ ኢሉ ዝሓስብ እንተልዩ አብ ካልእ ዓለም: ወይ ድማ [ከም ኣማራጺ] አብ ወርሒ ሰፊሩ ክሓስብ አለዎ:”
onion-truth_small_logo

እዚ ከምዚ ዝበለ ርእይቶ፣ ኣተሓሳስባ ናይቲ ዘብረዮ ዘይብሉ ን ልዕሊ 23 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት ምዃኑ ሃንደበት ዝኾኖም ዜጋታት ብዙሕ ይግረሙ:: “አብዚ ሃገር ካልእ ሰልፍታት ክህልዉ አይነፍቅድን ዘስምዕ ዘረባ ተዛሪቡ ምስ በሉኒ: መጀመርያ ሓሶት’ዩ መሲሉኒ:” ይብል ሓደ ካብቶም ዝተገረሙ ዜጋታት: “ሕጂ ውን ‘ተኾነ… ከቢድ’ዩ::” ንምግራሙ መግለጺ ዝኾኖ ቃላት ስለ ዝሰኣነ: ናይ ዓቅሊጽበት: ርእሱ የማነ ጸጋም እንዳበለ::

Issu_2014

“ዴሞክራሲ ዘይ-ዴሞክራሲ: ብዙሕነት ናይ ሰልፍታት:… ከምኡታት ዝበሃል ምህውታት አብዛ ሃገር ክመጽእ’ዩ ኢሉ ዝሓስብ እንተልዩ አብ ካልእ ዓለም: ወይ ድማ አብ ወርሒ ኮይኑ ክሓስብ አለዎ::”

“I’m surprised!” ትብል ካብቶም ዘዘራረብናዮም ሓንቲ ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ ብትምህርቲ ናብ ካናዳ ዝመጸት ኤርትራዊት መንእሰይ፣ ብምቕጻል: “I’m surprised! ካብ ኣፉ ክሳዕ ዝሰምዖ: ናይ መንግስቲ ኤርትራ መርገጺ ከምዚ ምኳኑ … you know… wow..” ብምባል ምግራማ ገሊጻ::

ሓደ ካብቶም ንመንግስቲ ኤርትራ ብትሪ ዝቃወሙ መንእሰይ ብወገኑ: “Now we have the proof!” ኢሉና: ገጹ ብታሕጓስ ብርህ እሉ:: የማናይ ኢዱ አብቲ ጣውላ አሞርኪሱ: ነቲ ጣውላ ብአመልካቲቶ አጻብዕቱ ደጋጊሙ ከም ደርሆ ትኹብ ትኹብ እናበለ: “ኣብ ኤርትራ ዴሞክራሲ ከምዘየለ: መንግስቲ ጨቋኒ ምኳኑ: ሕጂ ኣሉ ዘይትበሃላ መርትዖ ረኺብና::” ነቲ ጣውላ ምምርኳስ ገዲፉ: አብ ሰድይኡ እንደገና ንድሕሪት ቅንዕ እንዳበለ: “now we have proof!” ኢሉ ብታሕጓስ::

ብ፦ ብኹላቶም ዝተገረመ ተዓዛቢ

They too have their story–Desiderata

Political discussions in countries ruled by oppressive governments are marked by arrogance and noisiness—persons the poem Desiderata advises us to “Avoid” in its first stanza. Such arrogance is even extreme when the government is a totalitarian one.

In Eritrea, where I am from, we have a saying which I translate as “It is better they do evil deeds to you, than they imprint on you to do evil” (ካብ ክፉእ ዝገብሩኻስ ክፉእ ዝምህሩኻ).

Sadly the legacy of oppressive governments is not only in the deeds they do to their citizens but the evil they imprint on the political culture of the country. Many African countries, and my country in particular, are case in point.

The arrogance, the intolerance and noisiness of the government is mirrored in those change-seeking groups (all in exile or in Eritrean prisons, by the way). Once learned, it is difficult to un-learn something (and we all thought learning was hard). The damage of such a political culture becomes more painful when you see such arrogance become the cause of weakening whatever few pro-justice or pro-human rights groups these countries have; there by prolonging the life of the evil oppressors.

Before advising that we avoid loud and aggressive persons (vexations to the spirit, indeed!), the poem advises us to listen to others, and even to the dull and ignorant (I am thinking government sympathizers); they too have their story.

This timeless piece by Max Ehrmann has a lot to teach us. May God give us the wisdom and the strength to un-learn the arrogance and to speak our truths quietly and clearly.

Desiderata first stanza (click to be directed to the entire poem)

Desiderata first stanza (click to be directed to the entire poem)

ዘመነ-“ሻዕብያ” ኣምጽኦ ቃላት

Orwel_newspeak

ኤርትራውያን ሎሚ: ቋንቋና (ፖለቲካዊ ቋንቋና) ብብዙሕ መዳያቱ ኣዝዩ ድኹምን ኣዝዩ ዘይገላጽን ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ኢና ዘሎና::

እቲ ሓያል ጸሓፊ ጆርጅ ኦርወል ብዛዕ ብልሽውና መንግስታት አመልኪቱ: ምስ ብልሽውና ፖለቲካ ተተሓሒዙ ዝኸይድ ብልሽውና ናይ ቋንቋ ኣሎ: ይብል::[1] ንጨቆንቲ ስርዓታት ንምርዳእ: ነቲ እቶም ስርዓታት ዘተኣታትውዎ ሓደሽቲ ቃላትን ዘይንቡር ቋንቋን ቀው ኢልካ ምስትውዓል የድሊ: ይብል::

ቀጺሉ እቲ ጸሓፋይ: ብልሽው ቋንቋ ፍረ ብልሽው ፖለቲካ ጥራይ ኮይኑ ደው ኣይብልን’ዩ: ይብል:: እንታይ ደኣ: እቲ ብልሽው ቋንቋ ብወገኑ ንዝያዳ ዝተበላሸወ ፖለቲካ መሰረት ይኸውን:: በዚ ኸምዚ ብልሽው ፖለቲካ ንብልሽው ቋንቋን እናደረኸ: ብልሽው ቋንቋ ብወገኑ ኸኣ ንብልሽው ፖለቲካ ሓጋዚ እናኮነ እቲ ዓንኬል ይቕጽል::

ፖለቲካዊ ቋንቋና ድኹምን ጋሕማጥን ዝኾነሉ ምኽንያት ኣተሓሳስባና ከምኡ ድኹም ስለዝኾነ’ዩ:: ግናኸ እዚ ፍረ ድኹም ኣተሓሳስባ ዝኾነ ድኹም ቋንቋ ብወገኑ ነቲ ኣተሓሳስባና መሊሱ ድኹም ንክኸውን ሓጋዚ ተራ ይጻወት::

ከም ርእይቶ ጆርጅ ኦርወል:- ፖለቲካዊ ብልሽውና ንምዕራይ ብቐዳምነት ነቲ ቋንቋ ብምዕራይ እንተጀመርናዮ’ውን የምሕረልናዩ::

እስከ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ንፈትኖ:: ንአብነት: “አገልግሎት” ወይ ውን “ታዕሊም” ዝብላ ልሙዳት ቃላት ክንዲ ንጥቀም በቲ ትርጉመን ዝኾነ አጸዋውዓ “ወተሃደራዊ ዕስክርና” እንተተኪእናየን ዕላልና ከምዚ መሰለ:-

“ኩሉ ኤርትራዊ ክዕስከር ግድን’ዩ: ወይ አብ መዓስከር ሳዋ ወይ ዊዓ”:
“እቲ ዕስክርና ብሕጊ ን 18 ወርሒ ጥራይ’ዩ ዝነበረ”:
“ኣብ ዕስክርና ክንደይ ዓመት ገርካ?”:
“ኦይ ንሱ ደኣ ዓስራይ ዙርያ እንድዩ ተዓስኪሩ::”
: ወዘተ.

ትርጉም “ግፋ” ብሕጽር ዝበለ:- “ናይ ምንግስቲ ፍቓድ ወረቐት ሒዞም ንዘይተረኽቡ ሰባት ብኣልማማ ብሓይሊ ብረት ኣስገዲድካ ናብ ቤት-ማእሰርቲ ምውሳድ:” እዩ:: አብ ክንዲ “ግፋ” ትብል ቃል “ማእሰርቲ” እንተንጥቀም ከምዚ ምበልና:-

“ሎሚ ንግሆ ወተሃደራት አብ ገዛውትና ን ብዙሓት ኣሲሮም ወሲዶሞም:: ልዕሊ ክልተ በጣሕ”:
“ጽባሕ ንግሆ አሃዱና ክትኣስር ክትወፍር’ያ::”
: ወዘተ.

______________________________________

02/01/2013:- ኣብቲ ኣርእስቲ “ሻዕብያ” ክብል ከለኹ: ነዚ ንኤርትራ ዘመሓድር ዘሎ ስርዓት ማለትይ እዩ:: ምናልባሽ ነዚ ዘሎ ስርዓት “ሻዕብያ” ምባል ትኽክል አይኮነን ንዝብሉ ወገናት ይቕሬታ ይሓትት:: እንተኾነ ግን: ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ልሙድ ዘይኮነ መጸውዒ (ከምኒ “ስርዓት-ህግደፍ” ወይ “ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ” ወዘተ.) ክጥቀም ኣይመረጽኩን:: ደሓር ከኣ ብዛዕባ መን ንዛረብ ከም ዘሎና ርዱእ ክሳዕ ዝኾነ አክንዲ “ሻዕብያ” ዝብል ቃል “እዚኦም!” ብዝብል ተኪእና እንተኣንበብናዮ ውን ጸገም የብሉን::

መራሕቲ ሃይማኖት ኤርትራ ብዝዕባ መንእሰያት ኤርትራ::

ዝኽሪ ነቶም አብ ሓደጋ ላምፐዱሳን አብ ተመሳሳሊ ሓደጋ ባሕሪ ኢጣልያን ዝሃለቑ ግዳያት ስነስርዓት ዝኽሪ አብ ዝተፈላልየ ከተማታት (ብጀካ ኣብ ኤርትራ ማለት’ዩ) ክካየድ ቀንዩ:: እዚ ዝስዕብ አብ ማንቸስተር ብ ምትሕብባር ሕብረት EYSNS.G ዝተገረ ስነስርዓት ዝኽሪ እዩ::

መንግስቲ ኤርትራ ን ሃይማኖታት ኤርትራ (ብኣጸዋውዓ መንግስትና “ሃይማኖታዊ ትካላት”) አፍ ክዓብስ ካብ ዝብል ነዊሕ ኮይኑ’ዩ:: ንኹሉ ተግባራት መንግስቲ “ፓለቲካ” ብምባል ሃይማኖታውያን መራሕትና አብ መሰረታዊ ጉዳያት ሕብረተሰብ ከይተረፈ ናይ ምስታፍ መሰል ክኽልክል ጸኒሑን ክሳዕ ሕጂ ብዓወት ተሳትፎ ሃይማኖታውያን መራሕቲ አብ ሕብረተሰብና ይኽልክልን አሎ (ብዛዕባዚ አስፍሕ አቢለ ጽሒፈ ኔረ):: ናይዚ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝግበር ዘሎ ገበን ሓደ መርኣያ እቶም ነንመዓልቱ ዝኣስሮም ዘሎ መራሕቲ ሃይማኖት እዮም::

ገለ ሒደት ካብቶም ብእምነቶም መንግስቲ ኤርትራ ዝኣሰሮም እሱራት:-

ገለ ካብ እሱራት ኤርትራ

ገለ ካብ እሱራት ኤርትራ

እዚ ዝርዝር ብኸፊል ናይቶም ልእሊ 3,000 ብእምነቶም ጥራይ ዝተኣስሩ እሱራት’ዩ:: ንዝያዳ ሓበሪታ Eritrean Human Rights Electronic Archive ምውካስ ይከኣል::

______________________________

እዚ ከምዚ’ሉ ኸሎ: እቲ ኩሉ ነገር ዝሕድሶም ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ መራሕቲ ሃይማኖት አብ ስነስርዓት ዝኽሪ ግዳያት ላምፐዱዛ ብዝገበሮ “ዓገብ ንበሎም” ዝሕመረቱ ዘረባ ተቖጢዖም “ሃይማኖት ግዳይ ፕለቲካ” ብምባል ይግረሙ ይርከቡ::

"ንምንታይ መንእሰያት ካብ ዓዶም ይሃድሙ ዝብል ሕቶ ጉዳይ መራሕቲ ሃይማኖት አይኮነን: ብመራሕቲ ሃይማኖት ክለዓል 'ውን የብሉን!!" (ድኹም ኣተሓሳስባ መንግስቲ ኤርትራን ደገፍቱን)

“ንምንታይ መንእሰያት ካብ ዓዶም ይሃድሙ ዝብል ሕቶ ጉዳይ መራሕቲ ሃይማኖት አይኮነን: ብመራሕቲ ሃይማኖት ክለዓል ‘ውን የብሉን!!” (ድኹም ኣተሓሳስባ መንግስቲ ኤርትራን ደገፍቱን)

መሳኪን ደገፍቲ መንግስቲ: ምናልባት ከምቲ ቲቨ-ኤረ ብዛዕባ ግዳያት ላምፐዱዛ ዝበለቶ “ዘይሕጋውያን ስደተኛታት” ስለዘይበሎም’ዶ ይኸውን? ዋላስ ብልቦም ተስደሚሞም ይኾኑ?

ምንፋር ጥራይ እኹል መርትዖ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ:: (ሓተታ-Part 1)

ሓተታ

ሓተታ

ገለ ዘደናግርዎ እንተረኸቡ ኢሎም: “አይፋል: ጸላም ጤል አይኮነትን:: ርግቢት እያ::” ነዚ ምስ ኣጣል ዝዓበየ ህዝብስ ያኢ ብዛዕባ ጤል ክምህርዎ:: ጅግና ህዝብና: ንሱ-ንሕና: ንሕና-ንሱ ኩሉ ግዜ አብ ጎንና’ዩ::

ህዝብና: ስለ ዝበረረት ጥራይ መርገጺኡ ዝቕይር: ተወላዋሊ መሲልዎም: “በሪራ በል እነሀት! ሕጂኸ እንታይ ትብል?” እናበሉ እንክሓቱዎ:: እቲ ንቑሕ ህዝብና ግን ኣየድሃበሎምን:: ለባም ህዝብና ስራሕ እምበር ሞጎት አይፈቱን’ዩ:: ተባዕ ህዝብና: ብትብዓት ይምእዘዝ እምበር ንሓለፍቱ ኣይነቅፍን’ዩ:: መን’ሞ ከምዚ ህዝቢ::

ብመሰረቱ ዋላ ትንፈር ብዘየገድስ: “ጤል እያ” ወይውን “ርግቢት እያ” ኢልካ ብታህዋኽ ምድምዳም ምዕቡል ባህሊ አይኮነን:: እትነፍር ጤል ርኢኻ አይትፈልጥን ትኸውን: እዚ ተሞክሮኻ ንበይኑ ግን: ጤል አይኮነትን ንኽትብል መሰል አየውሕሰካን እዩ::

እቶም አይጤልን’ያ ክብሉ ዝፍትኑ: ብዘይካ ምንፋር ካልእ እንታይ ህዝቢ ዘይፈልጦ ዝፈለጥዎ ነገር ስለዘሎ’ዩ? ዋላስ ዝኾነ ነገር እንተደኣ ነፊሩ አኺልዎ ጤል ክኸውን አይክእልንዩ? በዚ ጸቢብ አተሓሳስባ እንተደኣ ተመሪሕና ደኣ: ኩሉ ዝነፍር ዘበለ ጤል አይኮነን ክንብል ኢና ማለት ድዩ? ኣይፋል:: ዋላ ትንፈር ደኣምበር ጤል’ያ:: ምንፋር ጥራይ ንበይኑ: እኹል መርትዖ ክኸውን ስለዘይክእል::
ሚኒስትሪ ዜና:: ታሕሳስ 25: 2012:: ኣስመራ::

ናብራ ኤርትራዊ ስደተኛ ብዘይ facebook እንታይ ምመሰለት?

ንኤርትራዊ: ተቓውሞኡ ዝገልጸሉን ብዛዕባ ለውጢ ዝዛረበሉን ናይ ኢንተርኔት መርበባት(ከምበዓል facebook groups) እንተዘይ ህሉ ኔሩ ናብራ ኤርትራዊ ስደተኛ ክንደይ ምተቐየረ?
ተቓውሞና ብዘይ ስክፍታ ክንገልጸሉ እንኽእል መድረኻት ( ከምእኒ በዓል Eritrean Youth Solidarity for Change ን መሰልቱን) አብ ፌስቡክ ካብ ዝቕልቀሉ ንብዙሓት ኤርትራውያን ምቹእ መራኸቢ መድረኽ ፈጢሮም አለዉ::
ብመሰረቱ: አብ ፌስቡክ ምንጣፍ ዕላምኡ ነቲ አብ ባይታ ክንገብሮ ዝግበኣና ንጥፈታት ንምሕጋዝ እዩ:: (ኣብ ‘ባይታ’ ክብል ከለኹ ነቲ ካብ ናይ ፌስቡክ-ዓለም ወጻኢ ዝግበር ዕዩ ማለትይ እዩ: ንኣብነት:- ኣብ ሰለማዊ-ሰልፊ ምስታፍ: ገንዘብ ምሕጋዝ: ንሰበ ስልጣናት ወይ ንማዕከናት ዜና ምርኻብ: ወ.ዘ.ተ.)::

ኣድላይነትን ጥቕምን ፌስቡክ ርዱእ ኮይኑ: አብ ፌስቡክ ምንጣፍ ገለገለ ኣሉታዊ ጎድንታት ክህልዎ ከኣ ይኽእል እዩ:: ኣብ ኢንተርነት ምንጣፍ ነቲ አብ ባይታ ክንነጥፎ ዝግበኣና ከዘንገዓና ወይ ውን ከባኹረና ተኽእሎ ኣለዎ:: ኣነ ብውልቀይ ገለገለ ግዜ ይሓስብ:- ተቓውሞይ አብ ኢንተርነት ዝገልጸሉን ዝላዘበሉን መድረኽ እንተዘይህልወኒ እንታይ ምገበርኩ? ምናልባትዶ ምስ ኻልኦት ኣብ ከባብየይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ብኣካል ምተራኸብኩ እሞ: ሓቢርና ብንኡስ ዓቕምና ገለ ዝዓበየ ቁምነገር ምገበርና ንኸውን: ኢለ ይሓስብ::

ካብዚ ተበጊሰ እምበኣር ናትኩም ርእይቶኹም ንምፍላጥን ንምግምጋምን ነዚ ዝስዕብ ሕቶ አብ ምምላስ (poll) ክትሳተፉ ብትሕትና ይሓተኩም:-

ብተወሳኺ ዘለኩም ርእይቶ ወይ ውን ክህሉ ኔርዎ እትብልዎ ምርጫ እንተሎ: አብዚ አብ ታሕቲ ዘሎ ናይ ርእይቶ ቦታ ግደፉለይ: ብቕልጡፍ ክምልሰልኩም ክፍትን እየ::

ውዲት ‘ተቓወምቲን’–ንቕሓት መንግስትናን

ገለገለ ኤርትራውያን ነቲ መለለይ ፖለቲካዊ ባህልና ዝኾነ: “ተወፋይነት”: “ሓቦ”: “ኒሕ” ዝብል ቃላት ገዲፎም: መሰል ዋላ ዴሞክራሲ ክብሉ አዝዩ ዘሕዝን’ዩ:: መንግስትና ነዚ ውዲት ምዃኑ ብኣግኡ ስለዝተረድኦ: ነዚ “መሰል” ዝበሃል አብ ሃገርና ከስገድድዎ ዝፍትኑ ዘለዉ ኣምር ንምእላይ ክሳዕ ሕጂ ዝምጎስ ተበግሶ ክገብር ጸኒሑን ይገብር አሎን::

ሓደ ኣባል እዘን ተቓወምቲ-ጉጅለታት ዝኾነ ኤርትራዊ: “ዴሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ይተግበር:” ኢሉ ይጭድር ይኸውን: ነዚ ተቓዋማይ መልስና ሓጺር’ዩ: “ስለምንታይ አሜሪካ ሎሚ ብዛዕባ ዴሞክራሲ አብ ኤርትራ ተገዲሳ:” እዩ:: እዚ ንናጽነትን ንዴሞክራሲን ኢሉ ኣዝዩ ነዊሕ ዓመታት (ማለት 30 ዓመታት) ዝተቓለሰ መንግስቲ: ብዛዕባ ጉዳይ ዴሞክራሲን መሰል ወዲ ሰብን ንዓለም ምመሃረ እንበር: በንጻሩ ክንምህረካ ኣይምተባህለን::

መብዛሕትኦም እዞም ‘ተቓወምቲ’ ኢና ዝብሉ ኤርትራውያን: ብ ዘይኤርትራዊ አተሓሳስባን ባህልን ስለ ዝተበገሱ:-

(ሀ) መብዛሕትኡ ጥርዓን እዞም ‘ንቃወም ኢና’ ዝብሉ:- “አብ ሃገርና ቅዋም ይተግበር”: “አብ ሃገርና ዴሞክራሲን ፍትሕን ንደሊ”: “ናይ ሃይማኖታት መሰል ይተሓሎ”: “ናይ ምዝራብን ምጽሓፍን መሰልና ይተሓሎ”: “እሱራት ይፈትሑ” ወዘተ. ዝብል: እንተተግቢሩ አዝዩ ሓደገኛን ንህላወ ሃገርና ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ሕልምታት እዩ:: ብመሰረቱ:

(ለ) “ዴሞክራሲ”: “ሰብኣዊ መሰላት”: ወዘተ ዝዓይነቱ ስነ-ሓሳባት አብ ሃገርና ከስርሕ ዘይክእል (አረ ናብ ቋንቋና ክትርጎም’ኳ ዝኸብድ): ምስቲ ክቡር ባህልናን ንቡር አሰራርሓን መንግስትና ዘይከይድ ባዕዲ ዝኾነ ምዕራባዊ ኣምር (Western concept) እዩ::

(ሐ) መብዛሕትኡ ዘልዕልዎ ኣርእስቲ: ህዝቢ ንሃገር እንታይ ክገብረላ ይግበኦ ዘይኮነሲ: መንግስቲ ንሃገር ንታይ ክገብር ይግበኦ ጥራይ እዩ (ብርግጽ ተቓውሞኦም ንመንግስቲ እንበር ንህዝቢ ክሳዕ ዘይኮነ ንተግባራት መንግስቲ ጥራይ ኣተኩሮም ክዛረቡ ንቡር ክኸውን ይኽእል እዩ: ይኹን ደኣ እንበር እዚ እኹል ምኽንያት አይኮነን):: ብተወሳኺ:

(መ) ኩሉ ጥርዓናት ናይዞም ተቓወምቲ-ጉጅለታት ከምኡ ውን ተቓወምቲ-ውልቀሰባት በቲ ግቡእ መሳልል መንግስቲ (proper channels) ዘይኮነሲ: ብኣግባብ ዘይብሉ ጫውጫውታን ድፍረትን አብ ፈቐዶ ጎደናታት ወጻኢ ሃገራትን አብ ናይ ኢንተርነት መርበባትን እዩ:: “ሕቶን: ርእይቶን” አብ ባህሊ ውድብና ካብ ሜዳ አትሒዙ እንሰርሓሉ አገባብ እዩ:: ሕቶ ዘለዎ ብኣገባብ ንዝምልከቶም ጨንፈራት መንግስቲ ወይ ከኣ ንኤምባሲታትና ዘይውከል?

እዞም ንመንግስትና ክቃወሙ ዝፍትኑ ግና ብናይወልቆም ተበግሶ እዩ ኢልካ ምሕሳብ የዋህነት ኮይኑ ይስመዓኒ:: ብምዕራባውያን ሃገራት ተዘይ ተነጊርዎ: ሓደ ኤርትራዊ ሰብ ከመይ ጌሩ ባዕሉ “ናጽነት” ወይ “መሰል” ዝብል ኣመራት ከልዕል ይኽእል? ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ: ኩሉ እዚ ዝግበር ዘሎ ናይ ባዕዳዊ ኣተሓሳስባ ጎስጓስ ብትሪ ክቃወም ሃገራዊ ግቡኡ እዩ::

onion_Truth LOGO

________________________

Hello PressTV man/woman. Sorry to disappoint but you can’t use this article in your news as I am not associated with the real ONION News.