ፕረዚደንት ኢሳይያስ አፈወርቂ ብዛዕባ ምሕደራ ኤርትራ አመልኪቱ ብዝሃቦ ርእይቶ ብዙሓት ግዱሳት ኤርትራውያን ይግረሙ፦ “ዴሞክራሲ ዘይ-ዴሞክራሲ: ብዙሕነት ናይ ሰልፍታት:… ከምኡታት ዝበሃል ምህውታት አብዛ ሃገር ክመጽእ’ዩ ኢሉ ዝሓስብ እንተልዩ አብ ካልእ ዓለም: ወይ ድማ [ከም ኣማራጺ] አብ ወርሒ ሰፊሩ ክሓስብ አለዎ:”
እዚ ከምዚ ዝበለ ርእይቶ፣ ኣተሓሳስባ ናይቲ ዘብረዮ ዘይብሉ ን ልዕሊ 23 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት ምዃኑ ሃንደበት ዝኾኖም ዜጋታት ብዙሕ ይግረሙ:: “አብዚ ሃገር ካልእ ሰልፍታት ክህልዉ አይነፍቅድን ዘስምዕ ዘረባ ተዛሪቡ ምስ በሉኒ: መጀመርያ ሓሶት’ዩ መሲሉኒ:” ይብል ሓደ ካብቶም ዝተገረሙ ዜጋታት: “ሕጂ ውን ‘ተኾነ… ከቢድ’ዩ::” ንምግራሙ መግለጺ ዝኾኖ ቃላት ስለ ዝሰኣነ: ናይ ዓቅሊጽበት: ርእሱ የማነ ጸጋም እንዳበለ::
“I’m surprised!” ትብል ካብቶም ዘዘራረብናዮም ሓንቲ ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ ብትምህርቲ ናብ ካናዳ ዝመጸት ኤርትራዊት መንእሰይ፣ ብምቕጻል: “I’m surprised! ካብ ኣፉ ክሳዕ ዝሰምዖ: ናይ መንግስቲ ኤርትራ መርገጺ ከምዚ ምኳኑ … you know… wow..” ብምባል ምግራማ ገሊጻ::
ሓደ ካብቶም ንመንግስቲ ኤርትራ ብትሪ ዝቃወሙ መንእሰይ ብወገኑ: “Now we have the proof!” ኢሉና: ገጹ ብታሕጓስ ብርህ እሉ:: የማናይ ኢዱ አብቲ ጣውላ አሞርኪሱ: ነቲ ጣውላ ብአመልካቲቶ አጻብዕቱ ደጋጊሙ ከም ደርሆ ትኹብ ትኹብ እናበለ: “ኣብ ኤርትራ ዴሞክራሲ ከምዘየለ: መንግስቲ ጨቋኒ ምኳኑ: ሕጂ ኣሉ ዘይትበሃላ መርትዖ ረኺብና::” ነቲ ጣውላ ምምርኳስ ገዲፉ: አብ ሰድይኡ እንደገና ንድሕሪት ቅንዕ እንዳበለ: “now we have proof!” ኢሉ ብታሕጓስ::
ብ፦ ብኹላቶም ዝተገረመ ተዓዛቢ