“ለበዋ ደዚደራታ” እትብል ጽሕፍቲ ገና ንእሽተይ (አንቢቡ ዝኽእል ንእሽተይ) እንከለኹ’የ ዝዝክራ:: ኣብታ ፊት ካቴድራለ እትርከብ እንዳ ጫማ ንጉሰ ገብረታትዮስ (ንጉሰ ገ.) አብቲ መንደቕ ከም ስእሊ ኣብ “ፍሬም” ኣትያ ተለጢፋ ትርከብ:: ጌጋ ይኽልኣለይ እምበር አብዚ ቀረባ ግዜ’ኳ ካብቲ መንደቕ ተኣልያስ አብቲ ገዚፍ ጣውላ አብ ትሕቲ ነቲ ጣውላ ዝሽፍን መስትያት አትያ ርእየያ አለኹ::
ትሕዝቶ እዛ ጽሕፍቲ ሰናይ ምንባሩ ይዝከረኒ: እቲ ፍረ ነገሩ ግን ዳርጋ ኣይዝክሮን:: ብተወሳኺ’ውን እዛ ብኣተሓሳስባይ “ደዚደራታ” ዝስሙ ግለሰብ ዝጸሓፋ ምዕዶ ኣብ ዓለም ፍልጥቲ ጽሕፍቲ ትመስለኒ ኣይነበረትን::
ሎሚ ብኣጋጣሚ ሓንቲ ጽሕፍቲ እናንበብኩ ከለኹ ምስዛ ብ ንእስነተይ ዝዝክራ ጽሕፍቲ ተራኺብና:: ካብ ግዜ ንእስነተይ ምዝኽኻር ንላዕሊ ድማ: እቲ ትሕዝቶኣ አዝዩ ተንኪፉኒ::
አብ ኤንተርነት ብዝገበርክዎ መጽናዕቲ መሰረት ክልተ ነገር ተገንዚበ:: መጀመርያ: “ደዚደራታ” ስም ሰብ ዘይኮነሲ ኣርእስቲ ናይታ ጽሕፍቲ እዩ:: ደዚደራታ ብ ቋንቋ ላቲን “ተበሃጊ ነገራት” ማለት እዩ:: ብ 1920ታት ዝተጻሕፈት ግጥሚ ኮይና: ብ ሓደ ናይ ጀርመን መበቆል ዘለዎ ኣሜሪካዊ ኣቶ. ማክስ ኤርማን እያ ተጻሒፋ::
እቲ ካልኣይ ዝተገንዘብክዎ ነገር ናይ ትግርኛ ትርጉም እዛ ጽሕፍቲ ኣብ ኤንተርነት ክረኽቦ ዘይምኻለይ’ዩ [ተረኺቡ]:: ይኹን እንበር ዋላ ብ እንግልዚኛ ይኹን ሓቲመ አብ መንደቕ ክልጥፋ መዲበ ኣለኹ:: ምናልባት ከምዚ ከማይ ነዛ ጽሕፍቲ ክትውንኑ እንተደሊኹም: ንሕትመት ድልው ጌረ ኣብዚ ዝስዕብ አድራሻ ጌረያ አለኹ:- (1) Clean PDF version (2) Large JPEG image version
Updated 2: Jan 29