Twenty-two intellectuals call Eritrean government to care

issu“I’m not bothered if people go there. If they ask for asylum here or there, if they are looking for jobs in the United States, in Europe. Why, why would I bother about that?”

These are the words of Eritrea’s President Isaias Afewerki responding to the question “Why are people leaving the country?” A question put to him in an interview with al Jazeera’s Jane Dutton.

His response pretty much sums up the government policy accurately.

The Lampedusa disaster of October 3rd, where a migrant boat carrying about 500 Eritreans sunk just off the island of Lampedusa (Italy) drowned about 360 of the Eritrean asylum seekers would-be. This event helped highlight the plight of Eritreans and the risks they are willing to take to leave their country.

The Eritrean government still refuses to acknowledge they were refugees fleeing Eritrea being smuggled to Italy, and instead continues to call them “victims of Human Trafficking” The government has continued to emphasize that they are not genuine asylum seekers or refugees in every press release it has made to so far.

je

Now, a group of twenty-two Eritrean intellectuals living abroad and former students of Eritrea’s University of Asmara, have voiced their concern and called the government to care.

They have made the letter they sent to Eritrean officials public (in Tigrinya language) and have asked people to also sign the petition at this website below:

http://www.change.org/petitions/we-the-undersigned-eritrean-citizens-appeal-for-urgent-attention-of-the-government-of-the-state-of-eritrea-to-the-question-of-youth-flight-from-the-country?share_id=jurzXQNKXC&utm_campaign=mailto_link&utm_medium=email&utm_source=share_petition

The PDF version of the latter is located here. I have taken the liberty of converting it to text and I have pasted it below:

———————–

ሕዳር 03፡ 2013

ንኣትኩሮ፡
ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ
ሚኒስተር ስብሓት ኤፍሬም
ሚኒስተር ፎዝያ ሃሽም
ሚኒስተር ሰልማ ሓሰን
ሚኒስተር ሰመረ ርእሶም
ሚኒስተር ኣሚና ኑርሑሴን
ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ
ሚኒስተር ብርሃነ ሃብተማርያም
ሚኒስተር እስቲፋኖስ ሃብተ
ሚኒስተር ኣረፋይነ በርሀ
ሚኒስተር ጊዮርጊስ ተኽለሚካኤል
ሚኒስተር ተስፋይ ገብረስላሴ
ሚኒስተር ኣብርሃ ኣስፍሃ
ሚኒስተር ኣስካሉ መንቀርዮስ
ሚኒስተር ወልደሚካኤል ኣብርሃ
ሚኒስተር ተወልደ ቀላቲ
ዋና ጽሓፊ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣልኣሚን ሙሓመድ ስዒድ
ኣቦ ወንበር ሃ.ማ.መ.ተ.ኤ. ሱልጣን ስዒድ
ፕረዚደንት ሃ.ማ.ደ.ኤ. ልኡል ገብረኣብ

ክቡራት መራሕቲ ኤርትራ፡

ብመጀመርያ፡ እዞም ኣስማትና ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ኤርትራዊያን፡ ሃገራዊ ሰላምታና እና ኣቕረብና፡ ህይወትኩም ጥዕናን ሰላምን ዝምልኦ ክኸዉን ሰናይ ትምኒትና ንገልጸልኩም። ብምቕጻል፡ እዚ እንሓልፎ ዘለና ከቢድ ናይ እህህታ ቅንያት ዘለዓዓሎ፡ ካብ መዓሙቕ ሕዙን ልብና ዝፈልፈለ ናይ ምሕጽንታን ምኽርን መልእኽትና ንሰደልኩም ኣሎና። ከም ሓንጸጽቲ ፖሊሲታት ሃገረ ኤርትራ መጠን፡ ነዚ ንልዕሊ 10 ዓመታት ክቕጽል ዝጸንሐ፡ ፍልሰት ኤርትራውያንን ዘስዕቦ ዘሎ ህልቂትን ደው ንምባል ህጹጽን ኣድማዕን ስጉምቲ ንኽትወስዱ ብትሕትና ንምሕጸነኩም።

እቲ ብዕለት 03/10/13 ኣብ ከባቢ ኢጣልያዊት ደሴት ላምፐዱዛ ንልዕሊ 360 መንእሰያት ኣሓትናን ኣሕዋትና ዝቐዘፈ ሓደጋ መርከብ ነዚ ተርእዮ እዚ ኣብ ጥርዙ ኣብጺሑዎን፡ንመብዛሕቶም ሕልና ዘለዎም ኤርትራውያን ድማ ነጥበ መቐይሮ ኮይኑን ኣሎ ኢልና ንኣምን። ኣብዚ እዋን እዚ ሓባራዊ ስቕታ ዘየዋጻጽእ ምርጫ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ንሃገር ምሉእ ዝተንከፈ ከቢድ ኣደራዕ፡ ንብሕትና ኣብ ገገዛና በኺናን ሓዚንናን ጥራሕ ክንሓልፎ ዘይግበኣና ሃገራዊ ጉዳይ እዩ። እዚ ንልዕሊ 10 ዓመታት፡ ሸለል እናተባህለ ክስዕርር ዝጸንሐ ሽግር፡ኣብ ክንጻወሮ ዘይንኽእል ደረጃ ብምብጽሑ፡ ሎሚ ብሓባር ‘ደጊምሲ ይኣክል!’ ኢልና ኣቤቱታና ነስምዕ ኣሎና። እዚ ሽግር ዓሪጉዎ ዘሎ ተላባዒ ደረጃ፡ ዝምልከተኩም ኣካላት መንግስቲ ሓላፍነትኩም ክትስከሙን፡ ውዓል ሕደር ከይበልኩም ህጹጽ ስጉምቲ ክትወስዱን የገድድ። እዚ ንሃገር ምሉእ ዝለልዋ ዘሎ ኣሰቃቒ ሓዘንን ኣደራዕን፡ ዝኾነ ይኹን ሰነ-መጎታዊ መግለጽን ትርጉምን፡ ምኽኑይ ክገብሮ ኣይክእልን’ዩ። ዕዙዝነቱ እኳድኣ ቅጽበታውን ነባሪን ፍታሕ ይሓትት።

ብሓፈሻ ንኣፍሪቃውያን መንእሰያት ንኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ንኽስደዱ ዘሕስቡዎምን ዝገብሩዎምን ሰሓብትን ደረኽትን ረቛሒታትን ከምዘለዉ ርዱእ እዩ። እንተኾነ ግን፡ ብዝሕን ኣቃውማን ናይቶም ዝስደዱ ዘለዉ ኤርትራውያንን፡ ምድግጋም ናይዚ ፍጻሜን፡ ንኤርትራ ብፍላይ ዝምልከቱ መሰረታውያን ደረኽቲ ረቛሒታት ከምዘለዉ እዩም ዘመልክቱ። እቲ ቀዳማይ መርትዖ ናይዚ፡ እቶም ኣብዘን ዝሓለፋ 10 ዓመታት ዝስደዱ ዘለዉ ኤርትራውያን ኣብ ክሊ ዕድመ 18-35 ዝርከቡን፡ ብተዛማዲ ጽቡቕ ናይ ትምህርቲ ደረጃ ዘለዎምን ምዃኖም እዩ። እዞም ዜጋታት እቶም ኣፍረይትን ንጡፋትን ክፋል ሕብረተሰብ ኤርትራ ኮይኖም፡ ኣብ መንጎኦም ብዙሓት ብቑዓት ሞያውያንን ኣካዳምያውያን ይርከቡዎም። ፍልሰት እዞም ሰብ ሞያ፡ ንሃገራውያን ትካላት ኤርትራ ዘድልየን ዓቕሚ ሰብ ኣስኢኑ፡ ንዓይነታዊ ብቕዓት ስርዓት ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ብናህሪ ከም ዘንቆልቁል ገይሩዎ ኣሎ። ከምኡ’ውን ከቢድ ናይ ቁጠባ ቅልውላው ኣኸቲሉ። ስለዝኾነ፡ ጠንቂ ፍልሰት ኤርትራውያን ናብ ምዕራባውያን ሰሓብቲ ወይ’ውን ኣፍሪቃውያን ደረኽቲ ረቛሒታት ጥራሕ ምጽጋዕ፡ ነቶም ውሽጣውያን ንኤርትራ ብፍላይ ዝመልከቱ ጸገማት ንምፍታሕ ድሉው ዘይምዃንን፡ ንነብስኻ ድማ ካብ ሓላፍነት ሓራ ንምውጻእ ምፍታን ኮይኑ’ዩ ዚስመዓና። ነቲ ሽግር ንኽስዕርር ዕድል ከምዝኸፈተ ድማ ዘማትእ ኣይኮነን።

እቶም እምነ-ኩርናዕ ናይዛ ሓዳስን ምምዕባል ዘድልያን ሃገርና ዝኾኑ፣ ኣብ ምቕላስ መጻኢኣ ወሳኒ ተራ ክጻወቱ ዝግብኦም፣ ነባሪ ፖለቲካውን ማሕበረ-ቁጠባውን ዕብየት ህዝብና ከውሕሱ እንጽበዮም መንእሰያት ብብዝሒ ናብ ሰደት ክውሕዙ ከለዉ እንታይ የረድኣና፧ እዚ ንነዊሕ ጊዜ ከቢድ ክሳራ እናስዓበ ኣብ ዘሕንኽ ደረጃ በጺሑ ዘሎ ተርእዮ፡ ብዘዕግብ ኣገባብ ኣጽኒዕካ፡ ነባሪ ፍታሕ ብህጹጽ ምድላይ ሎሚ ጽባሕ ዘየብል ሃገራዊ ቀዳምነት’ዩ ኢልና ንኣምን። ብሰንኪ ስደት ዜጋታትና ኣብ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ውርደት ደው ምባል ድማ፡ ንህዝብና ዝግብኦ ሞሳን ርዝነት ታሪኽና ዝጠልቦ ግዴታን እዩ።

ወላ’ኳ እቶም ንመንእሰያትና ኣደዳ ስደትን ውርደትን ዝገብሩዎም ዘለዉ ምኽንያታት ኣዚዮም ዝተወሳሰቡ እንተኾኑ፡ ንድሕሪት ተመሊስና ታሪኽና ምስእንምርምር፡ እዞም ዝስዕቡ ሰለስተ ረቛሒታት ከም ቀንዲ ውሽጣውያን ጠንቅታት ክጥቀሱ ይከኣል።

ቀዳማይ፦ ዘይንጹር ሕጊ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ውሱን ናይ ጊዜ ገደብ ዘይብሉ ተጋራጫዊ ኣተገባብራኡን ንሕብረተሰብ ኤርትራ ቀንዲ ሃሳዪ ረቛሒ ኮይኑ ንረኽቦ። ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ሓርነታዊ ቃልሲ ክህልዉ ዝኽእል ሃገር ካብ ባዶ ናይ ምህናጽ ብድሆ ርዱእ እዩ። ከምኡ’ውን እዚ ንልዕሊ 10 ዓመታት ጸኒሑ ዘሎ ናይ ኣይሰላም-ኣይኲናት ህሞት ዘስገደዶ መድረኽ ምክልኻል ሃገር ንኹላትና ብሩህ እዩ። ሃገራዊ ኣገልግሎት ነዞም ክልተ ዕላማታት ክንወቅዕ ስለ ዘኽእለና ኩላትና ዜጋታት እጃምና ብዕትበት ከነበርክት ግቡእና እዩ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ብወላሓደ ሰብኣዊ መምዘኒ ክትቅበሎ ዘጸግም፡ ናይ መንእሰያት ኤርትራ ማሕበራውን፡ ቁጠባውን፡ ሞያውን ባህግታት ኣጸልሚቱ ዘሎ መወዳእታ ዘይብሉ ኣገልግሎት እዩ። ከም መእተዊ እምበር መውጽኢ ዘይብሉ መጻወድያ ኮይኑ፡ ንመብዛሕትኦም ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ናይ ገዛእ ርእሶም ንቡር ዝኾነ ሓዳርን ስድራን ንኸይምስርቱ፣ ሞያዊ ዕብየትን ዕግበትን ንኸይረኽቡ፣ እቶቶም ንኸየደንፍዑ ዓንቂጹዎም ኣሎ። ውሑዳት ዝጣየሱ’ውን እንተለዉ፡ኣገባብ ኣጠያይሳኦም ብቕሉዕ መስርሕ ይትግበር የለን። ስለዚ፡ እዚ ሕጂ ዝስርሓሉ ዘሎ ስርዓት ሃገራዊ ኣገልግሎት ቀንዲ ደራኺ ረቛሒ ብምዃኑ፡ መንእሰያት ኤርትራ ካብኡ ንኽሃድሙ ግዳያት እቶም ካብ ውሽጢ ሃገር ኮነ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ዘውጽኡን ዝጨውዩን ጨካናት ኣፍለሰቲ ሰብ ይኾኑ ኣለዉ። ዋሕዚ ዜጋታት ንኽቘጻጸር፡ መንግስቲ ብሓደ ወገን ነቲ ብሕጋዊ ኣገባብ ካብ ሃገር ንምውጻእ ዘፍቅድ ዕድመ ብምትሓት፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ናይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ገደብ ዕድመ ክብ ብምባሉ፡ ነዚ ሽግር ናብ ዝበኣሰ ደረጃ ኣዕሪጉዎ’ሎ። ኣብ ልዕሊ’ቲ ክቕጽል ዝጸንሐ ምልሕላሕን ምብትታንን ኤርትራዊት ስድራቤት፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ምሉኣት ስድራቤታትን ዘይተሰነዩ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ከይተረፉ ክስደዱ ጀሚሮም ምህላዎም ዘይክሓድ ሓቂ’ዩ። ኣብ ከባቢ ደሴት ላምፐዱዛ ዘጋጠመ ሓደጋ ድማ ናይዞም ተርእዮታት እዚኣቶም መርትዖታት ይህብ።

ካልኣይ፦ እቲ ካልኣይ ዘይቀጥታዊ ዝመስል፡ እነተኾነ ግን ኣብ ፍልሰት መንእሰይን ምብራስ ዓቕሚ ሰብን ማዕረ ደራኺ ተራ ዝጻወት ዘሎ እቲ ኣብ 2005/2006 ዝተኣታተወ ሓድሽ ውዳቤ ስርዓት ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ኤርትራ’ዩ። ቅኑዕነት ሽቶኡ ብዘየገድስ፡ እቲ ፖሊሲ ነታ እንኮ ዓለምለኻዊ ተቐባልነት ዝነበራ ትካል ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ብዘይ መተካእታ በታቲኑ፡ ዓለምለኻዊ መለክዒ ዘየማለኣ ኮለጃት ከፊቱ። ብተወሳኺ፡ እቲ ምውዳእ 12 ክፍሊ ኣብ ሳዋ ንኽኸውን ዝተወስደ ውሳኔ፡ ኣብ ጽፈትን ዓይነትን ደረጃ ትምህርትን ከምኡ’ውን ኣብ ህይወት ተመሃሮን ስድራቤታቶምን ኣሉታዊ ሳዕቤን ኣኸቲሉ እዩ። ትምህርቲ መጋበርያ ወተሃደራዊ ምቁጽጻር ብምዃኑ፤ ትካላት ትምህርቲ ኣብ ክንዲ መሰረት ውልቃውን ሓባራውን ዕብየት ኮይነን ዝህረፋ፡ ከም ፈለማ መጻወድያ ናይቲ መወዳእታ ዘይብሉ ኣገልግሎት ተራእየን፡ መንእሰያትና ካብአን ክሃድሙ ይርኣዩ’ለዉ።

ሳልሳይ፦ ካብዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ዝተጠናነጉ ኣሉታውያን ምዕባሌታት ፈሊኻ ዘይርአ፡ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተገብረን ዝግበር ዘሎን ጽዑቕ ፖለቲካዊ ምቁጽጻር፣ ምድንጓይ ትግባረ ግዝኣተ-ሕጊ፣ ምዕጻው ብሕታውያን ማዕከናት ሓበሬታን ምድቋስ ርእይቶኻ ናይ ምግላጽ ባይታታትን ከም ደፋእቲ ረቛሒታት ተራ ተጻዊቶም እዮም። ኣብዚ ዝርጋሐ ሓበሬታ ዶብ ዘይፈልጠሉ ጊዜ፡ ከምዚ ዓይነት ስጕምቲ ምውሳድ ኣርሒቑ ዘይጠመተ’ዩ ነይሩ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ኤርትራውያን ኣብ ምህናጽ ሓራን ብልጹግን ሕብረተሰብ ተራኦም ንኽጻወቱ ዘኽእል ሃዋህው ኣየረኸቡን። እዚ ፖለቲካዊ ቅልውላ’ዚንኤርትራዊ ሃገራዊ ስምዒትን ንሓድነት ህዝብናን ብምፍትታኑ ንብዙሓት ዜጋታት ናብ ስደት ንኸምርሑ ደሪኹዎም እዩ።

ታሪኽ ብተደጋጋሚ ከም ዘረጋግጾ፡ ደቂ ሰባት ማዕረ እቲ ዝገጥሞም ብድሆታት፡ ካብ ሽግራቶም ንኸምልጡ ኮነ ንኽገጥምዎም ሓደገኛታት ዝኾኑ ስጕምትታት ክወስዱ ይርኣዩ። ኣብ ታሪኽና’ውን እንተኾነ ጭፍለቓ ሓያላት ገዛእቲ ምስ ኣጋጠመና፡ ሓያሎ ኤርትራውያን ካብ ምቁጽጻር ጸላኢ ንምምላጥ ገሌና ናብ ሰደት ኣምሪሕና፡ ገሌና ድማ ናብ ሰውራ ተጸምቢርና። ስለምንታይ ኢና ኣብ ናጻ ኤርትራ ብተመሳሳሊ ተመክሮ ክንሓልፍ ዘለና፧ ስለምንታይ’ከ ንዜጋታት ብወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብ ክሊ ዶባት ክትሓጽሮም ኢልካ ዝህቀን፧ አረ ከመይ ገይርካ’ኸ ንሃንቀውታኦም ብምዕንቃጽ ክትዕወት ኢልካ ዝሕሰብ፧ ሰባት እግሮም ናብ ዝመርሖም ክስደዱ ከለዉ፡ “ስለምንታይ” ኢልካ ምሕታትን ናብ ህዝብኻ ወሪድካ ኢሂን ምሂን ምብህሃልን ምተገብአ።

ህዝብና ነዚ ስለዘይተቓለሰን እዚ ስለ ዘይኮነ ዓስቡን፡ ሃገርና ሒዛቶ ዘላ ኣንፈት ብህጹጽ ንምቕያር ክትጽዕሩ ኣጥቢቕና ንላበወኩም። ተስፋ መንእሰያትና ንምብራህ ዘኽእሉ ተጨበጥትን መሰረታውያንን ዝኾኑ ፖሊሲታት ንኸተትኣታትዉ ንምሕጸነኩም። ከም ሓላፍነት ዝስምዓና ሃገራውያን ሃናጺ ተራ ክንጻወት ድሉዋት ኢና። ስርዓታትና ንምጽጋን፣ ተስፋታትን ክብርን ህዝብና ንምምላስ፣ ሃገርናን ሃገራውነትናን ንምሕዳስ፣ መበገሲ ዝኾና እዘን ዝስዕባ ሰለስተ ስጉምትታት ብቕጽበት ክውሰዳ ከም ዜጋታት መጠን ብትሕትና ንሓትት።

ቀዳማይ፦ ምምስራት ንጹር ዝኾነ ስርዓት ሃገራዊ ኣገልግሎት ንጽውዕ። ኣዋጅ ሃገራዊ ኣገልግሎት ቁ. 82/1995 ከምዝጠልቦ ሃገራዊ ኣገለግሎት ካብ 18 ኣዋርሕ ክሓልፍ ኣይግባእን። በዚ መሰረት ግቡኦም ዘማልኡ ዜጋታት ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜን ብሓላፍነታዊ ኣጋባብን ክፋነዉ ኣለዎም። ድሕሪ ምፍናዎም ዜጋታት ጥሙሓቶም ክዉን ንምግባር ነጻ ኮይኖም ናይ ምንባርን ምንቅስቓስን መሰሎም ክሕለወሎም ኣለዎ። እዚ ድማ ንረብሓ ሃገር የደንፍዕ ጥራሕ ዘይኮነ፤ ንዝተፈላለዩ ጽላታት ቁጠባ ሃገርናን ሞራል መንእሰያትናን ከምዘበራብር ኣይንጠራጠርን። ነዚ ንምውሓስ፡ እቲ ዜጋታት ክሳብ ደቂ 50 ዓመት ዝኾኑ መንግስቲ ኣብ ዝመደቦም ንኽሰርሑ ዝጠልብ ዓንቀጽ ኣዋጅ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክስረዝ ይግባእ።

ካልኣይ፦ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ናብ ብማሕበረሰብ ዓለም ቅቡል ዝኾነ ኣካዳምያዊ ደረጃ ዳግም ንኽኣቱን፡ ናብቲ ከም ዲናሞ ናይ ማሕበረ-ቁጠባዊ ለውጢ ኮይኑ ዘገልግለሉ መቦቆላዊ ዕላምኡ ንኽምለስ ዘኽእሉ ፖሊሲታት ክትሕንጽጹ ንሓትት። ዓለምለኻዊ ተቐባልነት ዘለዋ፡ ብዘይ ጸቕጢ ብናይ ገዛእ ርእሳ ቻርተር እትሰርሕ ትካል ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ንምምዕባል ብዕቱብነትን ህጹጽነትን ክስርሓሉ ይግባእ። እዚ ወግዓዊ ደረጃ ነተን ሕጂ ተተኺለን ዘለዋ ኮለጃት ዘሕይል ደኣምበር ዘድክመን ከምዘይኮነ ከነስምረሉ ንደሊ።

ሳልሳይ፦ ንነዊሕ እዋን ዝደስከለ ፖለቲካዊ ህይወት ሃገርና ብህጹጽ ክበራበር፣ ከም ሳዕቤኑ ክሳብ ሕጂ ተንጠልጢሉ ዝጸንሐ ጉዳይ ፍትሕን ግዝኣተ ሕግን ሓላፍነታዊ መዓልቦ ክግበረሉ ንጽውዕ። ቤት ፍርዲ ብዘይመርመሮ ክስታት ዝተፈጸመ ማሕቡስ ናይቶም ኣብ ጅግንነታዊ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ዓቢይ ተራ ዝተጻወቱ ፖለቲካውያን መራሕትን ብዙሓት ኣባላት ሲቪካውያን ማሕበራትን ንህይወት ሃገርና ብሓፈሻ፡ ንህይወት ናይተን በዚ ዝተተንክፋ ስድራቤታት ድማ ብፍላይ፡ ኣብ መጻብቦ ኣእትዩዎ ይርከብ። ካብዚ ሓደገኛ ኩነታት ሓላፍነታዊ መዋጽኦ ኢልና ንኣምነሉ መስርሕ ሃገራዊ ዕርቅን ምስግጋር ናብ ንኹሉ ዝሓቝፍ ኣሳታፍን ትካላውን ምሕደራ ስለዝኾነ ንትግባረኡ ብኣኽብሮት ንጽውዕ።
ነዞም ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሮም ዘለዉ ነጥብታት ንምትግባር፡ ተራ ህዝቢ ዘውሕስ ክፉትን ሓቀኛን ሃገራዊ ዘተ ንምክያድ ዘኽእል ሃዋህው ንምፍጣር ስጕምቲ ክውሰድ ንጠልብ። ከም ፈላሚ ናይዚ መስርሕ’ዚ ብንጹርን ተግባራውን ሕግታት ዝቕየድ ናጻ መራኸቢ ብዙሓን ዳግም ክተኣታቶ ንሓትት። ፍትሓዊትን ዴሞክራስያዊትን ኤርትራ ኣብ ናይ ምህናጽ ምረሻና ብዝተሓደሰ ናህሪ ንኽንምለስን ሓድነት ህዝብና ንኸነደልድልን፡ ነቲ ክሳብ ሕጂ ዝተቛሰልናዮ ኣብ ዘይፍወሰሉ ደረጃ ከይበጽሐ ከሎ ከነሕውዮ ግዴታ’ሎና።
ሃጓፋትን ጕድለታትን ናይ ዘለዉ ፖሊሲታት ምእራምን ምምሕያሽን፡ ዘየለዉ ኣድለይቲ ፓሊሲታት ድማ ምሕንጻጽ ከምዘድሊ ምግንዛብን መርኣያ ርእሰ-ተኣማንነት እዩ። ህጹጽን ሓቀኛን ለውጢ እንተዘይተኣታትዩ ግን፡ እቲ ብኸቢድ ስቅያትን ጅግንነትን መስዋእትን ህዝቢ ኤርትራ ዝተረኽበ ናጽነትና፡ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ንኽኣቱ ናይ ግዜ ጉዳይ ጥራሕ ከይከውን ኢልና ንስከፍ። ናይ ታሪኽ ፍርዲ ምሕረት ኣልቦ ስለዝኾነ፤ ልባዊ ምሕጽንታና ተቐቢልኩምን ለበዋን ሃንቐውታታትን ህዝብኹም ሰሚዕኩምን ኣንፈት እዚ ሓደገኛ ሰንሰለታዊ ምዕባሌ ክትቅይሩ ኣትሪርና ንሓተኩም። ኩነታት ሃገርና ናብ ንቡር ንምምላስ ኣብ እትገብሩዎ ኣሳታፊ ጻዕሪ፡ ዓቕምና ብዝፈቐዶ እጃምና ከነበርክት ድልዋት ምዃና ደጊምና ነረጋግጽ።

ምስ ልባውን ሃገራውን ሰላምታ

ዶ/ር ሄኖክ ንርኣዮ [ጋቦሮኒ፡ ቦትሱዋና]
ዶ/ር ልጃም ዘሚካኤል ሓጎስ [ሳክራመንቶ፡ ካሊፎርንያ፡ ሕ.መ.ኣ.]
እንጂ. መልኣከ ገረሚካኤል [በርገን፡ ኖርወይ]
ዶ/ር ሙሴ ይከኣሎ ሃብተስላሴ [ኣትላንታ፡ ጆርጂኣ፡ ሕ.መ.ኣ.]
ኣቶ ሚካኤል ዛይድ ገብረመድህን (ምሁር ቅመማ) [ደንቨር፡ ኮሎራዶ፡ ሕ.መ.ኣ.]
ዶ/ር ማርኮ ፐዱሊ [ቦስቶን፡ ማሳቹሰት፡ ሕ.መ.ኣ.]
ወ/ሮ ራሄል ሃብተማርያም (ቻርተርድ ኣካውንታንት) [ሎንዶን፡ ዓባይ ብሪጣንያ]
እንጂ. ስምኦን ማርቆስ [ሎንዶን፡ ዓባይ ብሪጣንያ]
ወ/ሮ ብስራት ዮሴፍ ገብረወልድ (ጠበቓ ናይ ሕጊ ኣማኻሪት) [ዋሺንግተን፡ ሕ.መ.ኣ.]
ዶ/ር ኣስመረት ኣሰፋው በርሀ [መርሰድ፡ካሊፎርኒያ፡ ሕ.መ.ኣ.]
ኣቶ ኣቤል መድሃኔ ገብረየሱስ [ቶሮንቶ፡ ካናዳ]
ኣቶ ኣኽሊል ሃይሉ (ጠበቓ ናይ ሕጊ ኣማኻሪ) [ደንቨር፡ ኮሎራዶ፡ ሕ.መ.ኣ.]
ዶ/ር ኤርምያስ ተስፋሚካኤል ኣዘርያ [ኤድመንተን፡ካናዳ]
ፕሮፈ. ኤርምያስ ክብረኣብ [ዴቪስ፡ ካሊፎርኒያ፡ ሕ.መ.ኣ.]
ዶ/ር ኪዳነ ኣስራት [ሲልቨር-ስፕሪንግ፡መሪላንድ፡ ሕ.መ.ኣ.]
ዶ/ር ናዝሬት ኣምለሶም ክፍለ [በርገን፡ ኖርወይ]
ዶ/ር ወልደልኡል ቀላቲ ድራር  [ማቸራታ፡ ዓዲ ጣልያን]
ዶ/ር ዓወት ተ. ወልደሚካኤል  [ለክሲንግተን፡ ከንታኪ፡ ሕ.መ.ኣ.]
ዶ/ር ዮናስ ሃብተ  [ሀርኩለስ፡ ካሊፎርኒያ፡ ሕ.መ.ኣ.]
ዶ/ር ዮውሃነስ ሃይለ  [ኤድመንተን፡ ካናዳ]
ኣቶ ዳኒኤል ሃብተሚካኤል ተስፋልደት (ሕጹይ ዶክትሬት)  [ኣምሀርስት፡ ማሳቹሰትስ፡ ሕ.መ.ኣ.]
ዶ/ር ጀሚላ ስዒድ ሓምድ  [ሃሚልተን፡ ካናዳ]

——————————————-

Leave a comment